ኮሚሽን ሃገራዊ ዋዕላ ኢትዮጵያ፣ ናብ ኦነግ ሸኔ ጻውዒት ኣቕሪቡ

Radio Erena: 26 March 2023

ኮሚሽን ሃገራዊ ዋዕላ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኦሮምያ ዝርከቡ ዕጡቓት ሓይልታት፣ ብረቶም ኣውሪዶም፣ ናብቲ ሃገራዊ ዘተ ክሳተፉ ጸዊዑ።
ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ኢትዮጵያ ብዕጡቓት ሓይልታት ክካየድ ዝጸንሐ ውግእ ሓድሕድ ንምዕራፍ ተባሂሉ ዝሓለፈ ዓመት ዝቖመ ኮሚሽን ሃገራዊ ዋዕላ፣ ኣብ ዞባታት ትግራይን ኣምሓራን እውን ዑደት ብምክያድ ምድላዋቱ ኣብ ምጽፋፍ ከምዝርከብ ይገልጽ።
ሃገራዊ ዋዕላ ኢትዮጵያ ኣብ ዝመጽእ ሒደት ኣዋርሕ ከምዝጅመር ብፖለቲከኛታት’ታ ሃገር ዝንገር እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ኦሮምያ ጥራይ ኣብ ሸውዓተ ዞባታት ዝኾነ ምድላው ከምዘይገበረ ይግለጽ።
ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ከምዝንቀሳቐስ ዝንገረሉ ዕጡቕ ሓይሊ ኦ.ኤል.ኤፍ. ሸኔ፣ ኣብ 2021 ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፣ ኣብ መዝገብ ሽበራ ስለዝሰፈረ፣ ኣብቲ ሃገራዊ ዋዕላ ክሳተፍ ንምዃኑ ዝተዋህበ መግለጺ የለን።
ወከልቲ ህዝቢ ክልል ኦሮምያ፣ ኣቐድም ኣቢሎም፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስትን ኦ.ኤል.ኤፍ ሸኔን ብምእታው ዘተ ሰላም ከካይድ ጸዊዖም እዮም።
ክሳብ ሕጂ 40 ፖለቲካውያን ሰልፍታትን ዕጡቓት ሓይልታትን ኣብ ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ከምዝሳተፉ ክፍለጥ እንከሎ፣ ብውሑዱ 10 ካልኦት ግና ነቲ ዘተ ወግዓውነት ኣይሃብዎን ክብል፣ ነቲ ኮሚሽን ዝመርሕ ዘሎ ፕሮፈሰር መስፍን ኣርኣያ ይገልጽ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0