ናይ ኤርትራ ንብረት ሒዛ ዝጠሓለት መርከብ፣ ዋንነታ ተረጋጊጹ

ናይ ኤርትራ ንብረት ሒዛ ዝጠሓለት መርከብ፣ ዋንነታ ተረጋጊጹ

Radio Erena: 12 September 2017

Oman_Shipካብ ሕቡራት ኢማራት፣ ወደብ ሻርጃ ተበጊሳ ናብ ኤርትራ እናምርሐት ዝሓለፈ ሰሙን፣ ኣብ ክሊ ባሕሪ ዖማን ዝጠሓለት ናይ ጽዕነት መርከብ፣ ዋንነታ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝመደበሩ ፣ “ዮርሳሌም” ናይ ዝተባህለ መጓዓዝያ ባሕሪ ምዃና ተረጋጊጹ።

እታ ናይ ህንጻን ካልእን ዝርከቦ 10ታት ሚልዮናርት ዶላር ዝግመት ንብረት ጽዒና፣ ብ2 መስከረም ዝጠሓለት መርከብ፣ ዋንነታ ድሕሪ ምጽራይ፣ ዛጊት ካብቲ ዝጠሓለትሉ ክሊ ባሕሪ ንምውጽኣ ጻዕርታት ይካየድ ከምዘሎ ሚኒስትር መጓዓዝያን መራኸቢታትን ዖማን ዶክተር ኣሕመድ ቢን መሓመድ ቢን ሳሊም ኣል ፉጣይሲ ገሊጹ።

ኣብታ መርከብ ዝነበሩ 14 ፓኪስታናውያን፣ ኣርባዕተ ህንዳውያንን ክልተ ሶማላውያን ምዃኖም ዝተረጋገጹ 20 ሰራሕተኛታት፣ ብሓገዝ ሓደ ገፋፊ ዓሳ ድሒኖም ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዖማን እኳ እንተለዉ፣ ነናብ ሃገሮም ንኽፋነዉ ዘይተኸፈልዎ ደሞዝን ካሕሳን ይሓቱ ከምዘለው ዝሓበረ ማዕከን ዜና ታይምስ ኦፍ ዖማን፣ ብዛዕባ ክፍሊቶምን ኢንሹራንስን ብዝምልከት ምስ ወናኒ እታ መርከብ ዝኾነ ኩባንያ ይዘራረብ ምህላዉ ኣፍሊጡ።

እቲ ማዕከን ዜና ብተወሳኺ፣ ነዞም 20 ሰራሕተኛታት እታ መርከብ፣ ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ንዘድሓነ ዖማናዊ ገፋፍ ዓሳ፣ ናይታ ሃገር ዝልዓለ ናይ ክብሪ ሽልማት ካብ ኢድ ሚኒስተር መራኸቢታትን መጓዓዝያን እታ ሃገር ከምዝተዋህቦ ጠቒሱ።

እታ ናይ ታንዛንያ ባንዴራ እናንበልበለት፣ ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ወደብ ሻርጃ ተበጊሳ ናብ ኤርትራ ተምርሕ ዝነበረት መርከብ፣ ላካቢ ካብ ዝተባህለት ናይ ዖማን ከተማ 620 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ክሊ ባሕሪ፣ ብቀዳም 2 መስከረም ከምዝጠሓለት ይፍለጥ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዛዕባ’ዛ ንብረት ኤርትራ ሒዛ ዝጠሓለት መርከብ ዝኾነ መግለጺ ኣይይሃበን።

=============================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0