ግብጽን ሩስያን ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ከካይዳ’የን

ግብጽን ሩስያን ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ከካይዳ’የን

Radio Erena: 12 September 2017

russia_migግብጽን ሩስያን ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ከካይዳ ምዃነን ብመንግስቲ ግብጺ እትሕተም ጋዜጣ ኣል ኣሕራም ገሊጻ።

እቲ ልምምድ፣ ኣብ ፓራ ኮማንዶ ዘድሃበ ኮይኑ፣ ኣብዚ ሰሙን’ዚ’ዩ፣ ኣብ ሩስያ ከባቢ ጸሊም ባሕሪ ክካየድ።

ሩስያ ምስ ግብጺ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ተካይድ ዘላ፣ ኣብ ፍሉይ ስርሒት ዘገልግላ 15 ሄሊኮፕተራት ኵናት ክትሸጠላ ድሕሪ ዝኣተወቶ ስምምዕ’ዩ።

እተን ሄሊኮፕተራት ክሳብ መወዳእታ እዚ ዓመት’ዚ ናብ ግብጺ ከምዝግዕዛ ዝሓበሩ ምንጭታት ሩስያ፣ እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝካየድ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ በዘን ሄሊኮፕተራት ተሰንዩ ክካየድ ምዃኑ ኣረጋጊጾም።

ግብጺ ካብ 2015 ክሳብ 2017 ኣብ ዝነበረ ክልተ ዓመታት ካብ ሩስያ 46 ጄሊኮፕተራት ኵናት ንምሽማት ከምዝተሰማምዐት’ዩ ዝግለጽ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ካብን ናብን ግብጽን ሩስያን ቀጥታዊ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ዳግም ዝጅምረሉ መስርሕ ዝርርብ ይካየድ ኣሎ።

እቲ ብሰበ ስልጣን ኣቭየሽን ክልትኤን ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ፣ ኣብ ጸጥታን ድሕነትን በረራታትን ተጓዓዝትን ዘድሃበ ኮይኑ፣ ነቲ ንክልተ ዓመታት ተቛሪጹ ዝጸንሐ ናይ ነፈርቲ መጓዓዝያ ካብን ናብን ክልትኤን ሃገራት፣ ዝመጽአ ሰሙን ንምጅማሩ ዝዓለመ’ዩ።

ካብ ግብጺ ናብ ሩስያ ተምርሕ ዝነበረት ነፋሪት፣ ኣብ ጥቅምቲ 2015 ድሕሪ ዘጋጠማ ሽበራዊ ምዃኑ ዝተገልጸ መጥቃዕቲ፣ ካብን ናብን ግብጽን ሩስያን ዝካየድ ዝነበረ ቀጥታዊ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ተቛሪጹ ምጽንሑ ይፍለጥ።

========================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0