ናብ ኤርትራ ንወተሃደራዊ ታዕሊም ዝተወስዱ ሓሙሽተ ሶማላውያን፣ ኣብ ፑንትላንድ ተቐዪዶም ድሕሪ ምጽናሕ ናጻ ወጺኦም

Radio Erena: 13 June 2021

ናብ ኤርትራ ንወተሃደራዊ ታዕሊም ከምዝተወስዱ ዝገለጹ ሓሙሽተ ሶማላውያን መንእሰያት፣ ኣብ ፑንትላንድ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምጽናሕ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ናጻ ወጺኦም።

እቶም ሓሙሽተ ሶማላዉያን መንእሰያት ኣብ ሳዋ ወተሃደራዊ ታዕሊም ክወስዱ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ካብ ኤርትራ ኣምሊጦም ከምዝወጹ፣ ሓደ ካብኦም ንጋዜጠኛታት ገሊጹ።

ሚኒስትሪ ጸጥታ ፑንትላንድ ነቶም መንእሰያት መርመራ ከካዪደሎም ድሕሪ ምጽናሕ እዩ ናጻ ፈንዩዎም።

እቶም መንእሰያት፣ ፈደራል መንግስቲ ሶማል ኣብ ቐጠር ክትዕለሙ ኢሉ ወሲዱ ብዘይፍቓዶም ናብ መንግስቲ ኤርትራ ከምዘረከቦም ገሊጾም።

ዕድመ ስልጣኑ ዘብቀዐ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ፋርማጆ፣ ሃለዋት ናይቶም ናብ ኤርትራን ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከምዝተሳተፉ ዝግለጽ ዘሎ መንእሰያትን፣ ንቤተሰቦም ከፍልጥ፣ ብተቓወምቲ ሓይልታት እታ ሃገር ጸቕጢ ክግበረሉ ጸኒሑ’ዩ።

መንእሰያት ሶማል ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ ታዕሊም ክወስዱ እዚ ናይ ፈለማ እዋን ከምዘይኮነ ዝገልጹ ዲፕሎማሰኛታት እታ ሃገር፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ‘መንእሰያት ሶማል ኣብ ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ተሳቲፎም’ ክብል ድሕሪ ዘውጸኦ መግለጺ ዝያዳ ኣቓልቦ ህዝቢ ከምዝሰሓበ ይሕብሩ።

እዞም ብኣባላት ጸጥታ ፑንትላንድ ተታሒዞም ዝጸንሑ ሓሙሽተ መንእሰያት፣ ናብ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ክርከቡ ከምዘይደልዩ ይገልጹ።

==============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0