ማሕበር ሃገራት ዓረብ፡ ብጉዳይ ናይል፡ ኣብ ቀጠር ፍሉይ ኣኼባ ከካዪድ እዩ

Radio Erena: 13 June 2021

ማሕበር ሃገራት ዓረብ ብጉዳይ ናይል ብዝምልከት ፍሉይ ኣኼባ ከካዪድ እዩ።

እቲ ብግብጺን ሱዳንን ከምዝተጸወዐ ዝተገልጸ ፍሉይ ኣኼባ፣ ንሰሉስ 15 ሰነ፡ ኣብ ቀጠር፡ ከተማ ዶሓ ክካየድ ምዃኑ ተሓቢሩ።

እቲ ፍሉይ ኣኼባ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ምምላእ ማይ ዲጋ ተሃድሶ ዝወሰዶ በይናዊ ስጉምቲ ዘተኩር ከምዝኸውን ምኽትል ዳይረክተር ማሕበር ሃገራት ዓረብ ሑሳም ዛኪ ገሊጹ።

ንሱ ኣብቲ ብቀዳም 12 ሰነ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ማሕበር ከም ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝሃቦ ቃል፣ መትከሉ ከምዘይቀየረን ንረብሓ ግብጽን ሱዳንን ደው ኢሉ ከምዘሎን ኣመልኪቱ።

ኣቐድም ኣቢሉ ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ ግብጺን ሱዳንን ኣብ ጉዳይ ፈለግ ናይል ዝህልወን ናይ ምውሳን መሰል ክኽበር ኣለዎ ክብል ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ደው ከምዝበለ ኣነጺሩ’ዩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሳምሕ ሹክሪ ምስ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ዝገበሮ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ፣ ባይቶ ጸጥታ ናይ መንጎኛ ተራ ክጻወት ንግብጺ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጹ።

ብዶባዊ ምስሕሓብ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ካልእ ወጥሪ ኣትያ ዘላ ሱዳን፣ ተወሳኺ ሰራዊት ናብ ዶባት ከተዋፍር መደብ ከምዘለዋ ኣብዚ ሳልስቲ ተሓቢሩ’ዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0