ኒጀር፣ ፖለቲካዊ ኩነታትን ባህርያዊ ሓደጋን ዘኸተሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ይብእስ

Radio Erena: Friday, 13 October 2023
ኒጀር ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዝጸንሐ ብልሽውናን፣ ለውጢ ክሊማ ዘኸተሎ ባህርያዊ ሓደጋን ብሚልዮናት ዝቑጸር ህዝቢ ተጸባዪ ረዲኤት ኮይኑ ከም ዘሎ፣ ምውህሃድ ሰብኣዊ ሓገዛት ውድብ ሕቡራት ሃገራት(OCHA) ገሊጹ።
OCHA ምስ መሻርኽቱ ብሙኻን ኣብታ ሃገር ተጀሚሩ ዝጸንሐ ሰብ ኣዊ ሓገዛት ይቕጽሎ እኳ ተሃለወ፣ ሓድሽ ፖለቲካዊ ኩነታት ናይታ ሃገር ተደሚሩ ቁጽሪ ተጸባዪ ረዲኤት ዝኾነ ህዝቢ፣ እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ኣተሓሳሲቡ።
ልዕሊ 3 ሚልዮን ህዝቢ፣ እዚ ማለት 13 ሚእታዊ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ተጸባዪ ረዲኤት ኮይኑ ከም ዘሎ ኣዘኻኺሩ።
ብመሰረት ናይ 2023ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኒጀር ሓንቲ ካብተን ዝደኸያ ሃገራት ዓለምና እያ።
ኣብ ኒጀር፣ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ናይዚ ዓመት ፣ ዕልዋ መንግስቲ ከም ዝተኻየደ ዝፍለጥዩ።
ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ፣ ዝኽሰት ዘሎ ተኸታታሊ ወትሃደራዊ ዕልዋታት፣ ብኢድ ኣዙር ንዝፍጸም ሰንሰለት መግዛእቲ ብፍላይ ድማ ምትእትታው ፈረንሳ ንምብታኽ ዝዓለም’ዩ ዝብሃል እኳ እንተኾነ፣ ነተን ድሮ ብድኽነት ክሕመሳ ዝጸንሓ ሃገራት እቲ ዞባ ግና ናብ ዝበኣሰ ምልኪ፣ ተነጽሎን ግጭታትን ከየውድቐን የስግእ።
==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0