ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ምስ ግብጻዊ መዘንኡ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተራኸበሉ ሚኒስተር ሳምሕ ሹክሪ ሃገሩ ኣብ ጉዳይ እስራኤል ዘለዋ መርገጺ ገሊጹ

Radio Erena: Friday, 13 October 2023

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሹክሪንሚኒስተር ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት የማነ ገብረኣብን ትማሊ ሓሙስ 12 ጥቅምቲ ኣብ ካይሮ ተቐቢሉ ኣብ ዘዘራረበሉ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ጋዛ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ኣብ መንጎ ወገን ፍልስጤምን እስራኤልን ዘሎ ሓደገኛ ምዕባለን ግብጺ ዝሃበቶ ሓሳብን ገምጊሙ።

እቶም ሚኒስተራት ብተወሳኺ ኣብ ሱዳን ዘሎ ተኣፋፊ ኩነታትን፣ኣብታ ሃገርን ዞባዊ ጎረባብታን ዘስዕቦ ጽልዋን ኣመልኪቶም ተዘራሪቦም።

ግብጺ ነዚ ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ንምባል፣ ገለ ካብቲ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ፣ ደብዳብ እስራኤል ኣብ ጋዛ መወዳእታ ንምግባር ንዕርቂ ዝሕግዙ ክፉት ዘተታት ኣብ ምትብባዕ ትርከብ።

ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤማውያንን ብተደጋጋሚ መንጐኛ ዝኾነት ግብጺ፣ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ውሽጢ ዶባቶም ንዝፍጠር ግጭታት ብሰለማዊ መንገዲ ክፈትሑ ተዘኻኽር።

ግብጺ ምስ ኣመሪካን ካልኦትን ብዶብ ጋዛ ኣቢላ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምሃብ ዝዓለመ መደባት ከም ተፍቅድ ክትሕብር እንከላ፣ ካብ ኲናት ዝሃደሙ ሰባት ናብ መሬታ ከይ ኣትዉ ዶባታ ከም ዝዓጸወት ኣቐዲማ ሓቢራ እያ።

ከም ግብረመልሲ ናይቲ ብዕጡቓት ሓማስ ኣብ እስራኤል ዝወረደ መጥቃዕቲ እስራኤል ብ ትገብሮ ዘላ ደብዳባት ዝመዛበሉን ግዳያት ዝኾኑን ዘለዉ ኣብ ጋዛ ዝርከቡ ሰለማውያን ሰባት ውሑስ መሕለፊ ንምሃብ ኣብ ዝብል ሓሳብ ንምምይያጥ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ጄክ ሱሊቫን፡ምስ እስራኤልን ግብጽን ከም ዝተዘራረበ ንሮይተርስ ሓቢሩ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0