ኒውዮርክ፣ ኣቡነ እንጠንዮስ ካብ ማሕዩር ክፍትሑ ዝጽውዕ ሰልፊ ኤርትራውያን ኣብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ተኻይዱ

Radio Erena: 25 October 2019

ኣብ ኒውዮርክን ከባቢኣን ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ብጹእ ወ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ካብ ማሕዪር ክፍትሑ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቲ ሰልፊ፣ ኣብ ኣጋጣሚ መበል 74 ዓመት ምምስራት ሕቡራት ሃገራት፣ ብ24 ጥቅምቲ’ዩ ኣብ ቀጽሪ ናይቲ ውድብ ተኻይዱ።

ኣውራ ዕላማ ናይቲ ኣስታት 80 ዝኾኑ ኤርትራውያን ዝተሳተፍዎ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ን13 ዓመታት ኣብ ማሕዩር ዝርከቡ፣ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፣ ብጹእ ወ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ክፍትሑ ዝጽውዕ ምዃኑ ኣወሃሃደቲ ናይቲ መደብ ንሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

ኣብቲ ሰልፊ፣ መንግስቲ ኤርትራን መሓውራቱን ካብታ ቤተክርስትያን ኢዱ ክስሕብ ዝውጽዕን ካልእን ጭርሖታትን ቀሪቡ።

ካህን ናይታ ኣብ ኒውዮርክ ናይ እትርከብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ገብሪኤል፣ ቀሺ እስክንድር ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፣ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብስም ኣቡነ ኣንጦንዮስ ደኣ ይጸዋዕ እምበር፣ ንኹሎም ናይ ሕልና እሱራት ዝውክል’ዩ ኢሎም።

ኣብ ከባቢ ‘ታ ከተማ ብስም ቅዱስ ገብሪኤል ዝጽውዓ ክልተ ኣብያተ ክርስትያናት ክህልዋ ከለዋ እታ ሓንቲ ደለይቲ ፍትሒ እታ ካልኣይቲ ድማ ደገፍቲ ህግደፍ ዝሳተፍዎን’የን።

ብሰንኪ ምትእትታው ህግደፍን ናይ ስለያ መሓውራቱን፣ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣብ ክልተ ተገሚዓ ከምዘላ ይፍለጥ።

ብዛዕባ’ዚ ዝተዳለወ ሓጺር ጸብጻብ ንምስማዕ ኣብ ታሕቲ ጠውቑ፣-

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0