ዚምባብዌ፣ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ንምርካብ 30 ሓራምዝ ናብ ቻይና ሸይጣ

Radio Erena: 27 October 2019

ብከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ትሕመስ ዘላ ዚምባብዌ፣ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ንምርካብ 30 ሓራምዝ ናብ ቻይና ሸይጣ።

እቶም መንግስቲ ዚምባብዌ ዝሸጦም ሓራምዝ ካብ 2 ክሳብ 6 ዓመት ዘለዎም ኮይኖም፣ ካብ በረኻታት ተሃዲኖም፣ ካብ ወልዶም ተፈልዮም ንኣስታት ሓደ ዓመት ኣብ ግዝያዊ መካነ እንስሳ ተታሒዞም ዝጸንሑ’ዮም።

ዝሓለፈ ሰሙን ድማ ኣብ ቻይና ናብ ዝርከብ መካነ እንስሳ ከምዝገዓዙ ተረጋጊጹ።

መንግስቲ ዚምባብዌ ነቶም ሓራምዝ ብኸንደይ ከምዝሸጦም ዝገልጽ ሓበሬታ እኳ ክርከብ እንተዘይክኣለ፣ ካብ ቻይና 10ታት ሚልዮናት ከምዝተቐበለ ግና ተጣበቕቲ መሰል እንስሳ ዘገዳምን ተሓለቕቲ ዕቃበ ኣከባብን ብትሪ ይነቕፍዎ።

ዚምባብዌ፣ ብሰንኪ ንነዊሕ ዓመታት ዝሰረተ ቁጠባዊ ቅልቅልውላ፣ ባጤራ ብዝቕባበ ናይ ምሽማት ዓቕሙ ተዳኺሙ፣ ዋጋታት ባኒን ካልእ መሰረታዊ መግብታትን ብዝተዓጻጸፈ ኒሂሩ ይርከብ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዚምባብዌ ዘንበረቶ እገዳ ክልዓል ዝጽውዕ ብመንግስቲ ዝተወደብ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።

ኣመሪካ፣ ብዘቕረበቶ ክሲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ’ያ ልዕሊ ፕረዚደንት ምናንጋዋ ዝርከቦም 85 ሰበ ስልጣን እታ ሃገር እገዳ ኣንቢራ ዘላ።

ዚምባብዌ፣ ነዚ ዝሓለፈ 40 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ሰልፊ ዛኑ ፒኤፍ፣ ደሞክራስያዊ መሰል ዜጋታት እታ ሃገር ከረጋግጽ ኣብ ርእሲ ዘይምኽኣሉ፣ ብምግሃስ መሰረታዊ መሰል ደቂሰብ’ዩ ዝኽሰስ።

ነታ ሃገር ን38 ዝመርሐ ፕረዚደንት ነበር ሮበርት ሙጋበ ኣብ 93 ዓመቱ፣ ኣብ 2017 ብወትሃደራው ዕልዋ ደኣ ይተኣለ’ምበር፣ ኣብታ ሃገር ዝመጸ ፖለቲካዊ ለውጢ ይኹን ቁጠባዊ ጽገና ከምዘይተራእየ’ዮም ዝተፈላለዩ ወገናት ዘረድኡ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0