ነቭሰን፣ ኣብ ካናዳ ዝተመስረተሉ ክሲ ናብ ኤርትራ ክሰጋገር ዘቕረቦ ጥርዓን ተነጺጉ

ነቭሰን፣ ኣብ ካናዳ ዝተመስረተሉ ክሲ ናብ ኤርትራ ክሰጋገር ዘቕረቦ ጥርዓን ተነጺጉ

Radio Erena: 22 November 2017

Nevsun2

ኣብ ቢሻ ዕደና ዘካይድ ዘሎ ኩባንያ ኔቭሰን፣ ኣብ ካናዳ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ብኤርትራውያን ንዝቐረበሉ ክሲ ናብ ቤት ፍርዲ ኤርትራ ክሰጋገር ዘቕረቦ ጥርዓን ተነጺጉ።

ቤት ፍርዲ ብሪቲሽ ኮሎምብያ ናይ ካናዳ፣ ኣብ ጉዳይ እቲ ኣብ ቢሻ ዕደና ዘካይድ ዘሎ ኩባንያ ኔቭሰን ንዝቐረበ ክሲ ብዝምልከት፣ ናይ ይግባይ መስርሕ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ድሕሪ ምርኣዩ’ዩ፣ ትማሊ ሰሉስ 21 ሕዳር ኣብ ዝሃቦ ውሳኔ’ዩ፣ ነቲ ብኔቭሰን ዝቐረበ ናይ ይግባይ ጥርዓን ዝነጸጎ።

ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዘካይዶ ዕደና፣ ኣብ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተመዲቦም ንዝመጽዎ ኤርትራውያን፣ ኣብ ስራሕ ብምውፋሩ፣ ብናጻ ናይ ጉልበት ምዝመዛን ምስኡ ዝተሓሓሓዘ ምግሃስ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን፣ ኣብ 2014 ኣብ ካናዳ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ክሲ ከምዝተመስረተሉ ይዝከር።

እንተኾነ እቲ ኣብ ካናዳ ዝመደበሩ ኩባንያ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኤርትራ ተፈጺሙ ዝተባህለ ክስትታት ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ኤርትራ’ዩ ክርአ ዝግባእ ብምብል ነቲ ዝቐረበሉ ክሲ ንምውራዱ ክከራኸር ጸኒሑ።

ቤት ፍርዲ ብሪትሽ ኮሎምብያ፣ ኣብ ኤርትራ፣ ብዘይጸቕጥን ምእትእትታውን መንግስቲ ኤርትራ ክሰርሕ ዝኽእል ናጻ ፍርዳዊ ኣካል ከምዘየለን ብምድምዳም፣ እቲ ኤርትራውያን ኣንጻር ኩባንያ ኔቭሰን ዘቕረብዎ ክሲ ኣብ ካናዳ ክርአ ከምዝኽእል ኣብ ጥቅምቲ 2016 ውሳኔ ሂቡሉ’ዩ።

እቲ ቤት ፍርዲ ብተወሳኺ፣ ግዳያት እቲ ናጻ ናይ ጉልበት ምዝመዛ ኔርና ኢና ዝበሉ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ፣ እንደገና ናብ ኤርትራ ተመሊሶም፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ መሻርኽቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ናይ ካናዳ ኩባንያ ክሲ ክምስርቱ ንድሕነቶም ሓደገኛ ስለዝኾነ፣ ጉዳዮም ኣብ ካናዳ ክርአ ከምዝኽእል’ዩ ደምዲሙ።

ይኹን’ምበር ኩባንያ ኔቭሰን ነቲ ዓሚ ብቤት ፍርዲ ዝተዋህበ ብይን ብምቅዋም፣ እቲ ጉዳይ ደጊሙ ክርአ ይግባይ’ዩ ሓቲትሉ ጸኒሑ።

ኩባንያ ኔቭሰን ብዝሓተቶ መሰረት ከኣ፣ ቤት ፍርዲ ብሪቲሽ ኮሎምብያ፣ ነቲ ናይ ይግባይ ጉዳይ ካብ 25 መስከረም ጀሚሩ ንኣርባዕተ መዓልታት ድሕሪ ምርኣይ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዝሃቦ ውሳኔ ነጺግዎ።

60 ሚእታዊት ናይቲ ኣብ ቢሻ ዝካየድ ዘሎ ዕደና ወርቅን ካልእ ማዕድናትን ዝውንን ኩባንያ ኔቭሰን፣ ብሰገንን ካልኦት ናይ ህንጻ ትካላትን ህግደፍ ብደረጃ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብግዴታ ተመዲቦም ንዝመጽዎ ኤርትራውያን፣ ኣብቲ ሚልዮናት ዶላራት መኽሰብ ዝረኽበሉ ዘሎ ዕደና ኣብ ናይ ናጻ ናይ ጉልበት ስራሕ ብምውፋሩ’ዩ ተኸሲሱ ዘሎ።

እቲ ክሲ ፈለማ ግዳያት እቲ ምዝመዛ ኮይና ኢና ብዝበሉ ሰለስተ ኤርትራውያን ኣብ 2014እኳ እንተተበገሰ ኣብዚ እዋን’ዚ ተመሳሳሊ ክሲ ናይ ዘቕረቡ ብዝሒ ኤርትራውያን 57 በጺሑ ኣሎ።

ኣብዚ ናይ ቢሻ ናይ ዕደና ፕሮጀክት ብደረጃ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ናጻ ናይ ጉልበት ምዝመዛ ተዋፊርና ኔርና ዝብሉ ኤርትራውያን’ውን፣ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዘለውዎ ሃገር ብዘየገድስ፣ ጉዳዮም ኣብዚ ኣብ ቤት ፍርዲ ካናዳ ቀሪቡ ዘሎ ክሲ’ዚ ክርአ ከምዝኽእል ይፍለጥ።

ኣብዚ ብኔቭሰን ዝካየድ ዘሎ ዕደና ቢሻ፣ ብደረጃ ሃገራዊ ኣገልግሎት ይኹን ካልእ ዝተመደብኩም፣ ኣብዚ ናይ ክሲ ኣብዚ ናይ ክሲን ካሕሳን መስርሕ ክትጽንበሩ ምስ እትደልዩ 00 44 79 85 18 42 67 ብምድዋል ክትውከሱ ከምእትኽእሉ ንሕብረኩም።

============================

 

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0