እስራኤል፣ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ንዝርከብዎም ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ናብ ርዋንዳ ክኸዱ ትደፋፍእ

እስራኤል፣ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ንዝርከብዎም ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ናብ ርዋንዳ ክኸዱ ትደፋፍእ

Radio Erena: 22 November 2017

Holot

መንግስቲ እስራኤል፣ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ንዝርከብዎም ሓተቲ ዑቕባ፣ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ናብ ርዋንዳ ክኸዱ ይደፋፍእ ምህላዉ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢሩ።

እቲ መንግስቲ፣ ነቶም ልዕሊ 27 ሽሕ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሓተቲ ዑቕባ፣ ናብ ርዋንዳ ክኸዱ ዝደፋፍእ ዘሎ፣ ክፉት ቤት ማእሰርቲ ኾሎት ኣብ ውሽጢ 4 ኣዋርሕ ክዕጾ ድሕሪ ምውሳኑ’ዩ።

መንግስቲ እስራኤል ነቲ ብክልተ ሚኒስተራት ንዝቐረበ እዋመ፣ ብሰንበት 19 ሕዳር ሕሪ ምምይያጥ፣ “ኾልት ንስደተኛታት ምቹእ ስለዝኾነ፣ ሓተቲ ዑቕባ ካብ እስራኤል ክወጹ ኣየተባብዖምን” ብምባል’ዩ ክዕጾ ወሲኑ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንያሚን ናታንያሁ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ሰለስተ ደረጃታት ይኽተሉ ከምዘለዎ ብምጥቃስ፣ እቲ ቀዳማይ ደረጃ ንዶብ ሲናይ ብትሪኮላታ ምሕጻሩን ሓለዋ ዶብ ምሕያሉን ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ሳላ’ቲ መደብ እዚ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ እስራኤል ናይ ዝኣቱ ብዝሒ ስደተኛታት ናብ ዜሮ ወሪዱ ከምዘሎ ብምሕባር፣ ከኣ እቲ ካልኣይ መደብ 20 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ካብ እስራኤል ንምውጻእ ጸቕጢ ይግበር ከምዘሎ ኣረዲኡ።

“ብኸምዚ ኣገባብ ከኣ ናብቲ ሳልሳይ ደረጃ ብምስጋር ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኣስታት 40 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ጠቕሊልና ከነውጽኦም ኢና” ክብል ናታንያሁ ደምዲሙ።

እስራኤል፣ ድሕሪ ‘ዚ ናይ ሰንበት ውሳኔ፣ ኾሎት ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ድሕሪ ምዕጻዋ፣ ካብታ ሃገር ምውጽእ ንዝኣበዩ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ዝጸንከረ ቤት ማእሰርቲ ክትዳጊኖም’ያ መዲባ ዘላ።

እስራኤል ምስ ርዋንዳ ዝኣተወቶ ውዕል እኳ እንተዘይተሓበረ፣ ንንእትቕበሎ ነብሲ ወከፍ ካብ እስራኤል ዝተሰጎ ሓታቲ ዑቕባ 5 ሽሕ ዶላር ክትከፍላ ምዃና’ዩ ዝንገር።

========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0