ነበርቲ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ብጉዳይ ናይ ጤሳ መሬት የማርሩ

ነበርቲ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ብጉዳይ ናይ ጤሳ መሬት የማርሩ

Radio Erena: 12 February 2015

serejeka

ኣብ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ፣ ኣቐዲሙ ኣብ ኣተዓዳድላ መሬት ጤሳ ክትግበር ዝጸንሐ ኣሰራርሓ ብልሽውና ዝዓብለሎ ምንባሩ ነበርቲ እቲ ንኡስ ዞባ ብምረት ገሊጾም።

እቶም ነበርቲ ብዛዕባ’ቲ ንሓያሎ ዓመታት ከሰሓሕብ ዝጸንሐ ጉዳይ መሬት ጤሳ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ብዝምልከት ኣማሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ’ዮም ነቲ መንግስቲ ክኽተሎ ዝጸንሐ ኣተዓዳድላ መሬት ዝነቐፉ።

 

ካብ ኣስመራ 21 ኪሎሜተር ንሰሜናዊ ምዕራብ ርሒቑ ዝርከብ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ሓያሎ ንኣሽቱ ዓድታት ዝሓቖፈ ኮይኑ፣ ንንግዲ፣ ንመበሪ ኣባይትን ካልእን ብዘይተፈልጠ ምኽንያታት ነበርቲ እቲ ከባቢ ንዘይኮኑ ሰባት መሬት ክዕደል ጸኒሑ ዝብል ምዕዝምዛማት ብቀጻሊ’ዩ ዝስማዕ ኔሩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ነበርቲ እቲ ንኡስ ዞባ ንዝኾኑ ናይ ጤሳ መሬት ዝግብኦም ኤርትራውያን ብፍላይ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ መሬት ክዕደሎም ንዘቕረብዎ ተደጋጋሚ ጻውዒት መንግስቲ ክነጽጎ’ዩ ጸኒሑ።

እቶም ኣቐዲሞም መሬት ዝተዓደሉ እሞ፣ መንበሪ ኣባይቲ ክሰርሑ ዓቕሚ ዝሰኣኑ ኸኣ መንግስቲ፣ ዳግማይ ኣብ ዝዕደል ጤሳ ክትወሃቡ ኢኹም ብምባል ነቲ መሬት ደጊሙ ከምዝወሰዶ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣመልኪቶም።

ጉዳይ ጤሳ ኣብ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ሓደ ካብቲ ምስ መንግስቲ ዘተፋንን ጉዳይ ኮይኑ ከምዝጸንሐ ዝጠቐሱ ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና፣ ነዚ ምትፍናን እዚ ንምህዳእ ብዕጫ ዝዕደል ናይ ጤሳ መሬት ተዳልዩ ምህላዉ መንግስቲ ከምዝገለጸ ኣፍሊጦም።

ብሰንኪ’ቲ ነበርቲ ከቕርብዎ ዝጸንሑ ተደጋጋሚ ጥርዓናትን መረረን ኣብ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ምዕዳል ጤሳ ደው ኢሉ ምጽንሑ ብሬድዮ ኤረና ምቅልሑ ይዝከር።

ይኹን’ምበር ሕጂ’ውን ንህዝቢ ግሉጽ ብዘይኮነ ምኽንያት፣ ሰፊሕ ክፋል መሬት ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ብመንግስቲ ተሓዚኡ ንጤሳ ከምዘይዕደል ተነጊርዎም ኣሎ።

ኣብ ኤርትራ ‘መሬት ናይ መንግስቲ’ዩ’ ዝብል ፖሊሲ እኳ እንተሎ፣ ካብ ተሓታትነትን ግሉጽነትን ወጻኢ ብዝኾነ መንገዲ ንብልሽውናን ስርቅን ኣፍደገ ዝኸፈተ ኣተዓዳድላ መሬት ክርአ ምጽንሑ መንግስቲ ባዕሉ ብተደጋጋሚ እዋን ክእመነሉ ዝጸንሐ’ዩ።

====================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0