ሱዳንን ኡጋንዳን ተቓወምቲ ሓድሕድ ከይድግፋ ይዘራረባ

ሱዳንን ኡጋንዳን ተቓወምቲ ሓድሕድ ከይድግፋ ይዘራረባ

Radio Erena: 12 February 2015

Albamu

ሱዳንን ኡጋንዳን ተቓወምቲ ኣብ ዝንቀሳቐስሉ ከባቢታት ኣብ ጸጥታዊ መዳይ ብሓባር ክሰርሓ ተሰማሚዐን።

እዘን ብምዕጥቃዕ ተቓወምቲ ሓድሕድ ክነቓቐፋ ዝጸንሓ ክልተ ሃገራት፣ ናብዚ ስምምዕ ክበጽሓ ዝኸኣላ፣ ምክትል ፕረዚደንት ሓሳቦ ዓብደልራሕማን ዝመርሖ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ኡጋንዳ ዑደት ብምክያድ ምስ ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሴቬኒ ድሕሪ ምዝርራብ’ዩ።

ፕረዚደንት ዩዌሩ ሙሴቬኒ፣ ኣብ ሃገሩ ዝነበሩ መራሕቲ ተቓወምቲ መንግስቱ ሱዳን ካብ ኡጋንዳ ከምዘውጽኦም ነቲ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ሱዳን እኳ እንተረጋገጸሉ፣ መንግስቲ ሱዳን ግና ኡጋንዳ ተቓወምቲ ካብ ምድጋፍ ኣይትቑጠብን’ያ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ሓያሎ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ይጠቕሱ።

 

መንግስቲ ኡጋንዳ ንተቓወምቲ ሱዳን ካብ ሃገሩ ከምዘውጽኦም ፕረዚደንት እታ ሃገር ከምዘረጋገጸሎም ዝሓበረ ሓደ ካብ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ሱዳን ዝኾነ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ዑቤዳላህ መሓመድ ዑቤዳላህ፣ ዝቕጽል ዘተ ኣብ ትግባረ ጸጥታን ወትሃደራዊ ጉዳያትን ምዃኑ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣረዲኡ።

ሱዳንን ኡጋንዳን ብጉዳይ ተቓወምቲ ንሓድሕድን ካብ ዝወቓቐሳ ሓያሎ ዓመታት ኣሕሊፉ ኣሎ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝርከብ ሰራዊት ኡጋንዳ’ውን ክሳብ ከባቢ ዶብ ሱዳን ተዋፊሩ ብምህላዉ መንግስቲ ሱዳን ስክፍታ ከምዘለዎ ኣብዚ ብሰኑይ 9 ለካቲት ዝተኻየደ ርክብ ክልቲኦም ወገናት ተገሊጽዩ።

ይኹን’ምበር ኡጋንዳ ኣብ ደቡብ ሱዳን ተዋፊሩ ኣሎ ዝተባህለ ኣስታት 16 ሽሕ ሰራዊት ናብ ዶብ ሱዳን ከምዘይተጸግዐን ምስ ተቓወምቲ መንግስቲ ሱዳን ድማ ዘራኽብ ከምዘይብሉን የመልክት።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ዘተ ሰላም ደቡብ ሱዳን ዛጊት ኣብ ጭቡጥ ደረጃ ከይበጽሐ፣ ሓድሽ ግጭት ከምዝተጎሃሃረ ይግለጽ ኣሎ።

ብሬክ ማሻር ዝምርሑ ተቓወምቲ ኣብ ልዕሊ’ታ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ከባቢታት እትውንን ከተማ በንቲዩን ኣብ ካልእ ክፋል እታ ሃገር መጥቃዕታት ከምዝኸፈቱ ኣፈኛ ሰራዊት መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ወቒሱ።

ነቲ ብመንግስቲ ደቡብ ሱዳን ዝቐረበ ወቐሳ፣ ተቓወምቲ ደቡብ ሱዳን ዝኾነ ምላሽ ኣይሃበሉን።

ፕረዚደንት ሳልቫኪር ሚያርዲትን ተቓዋሚኡ ሬክ ማሻርን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንምርኻቦም ዝተኻየደ ናይ ኢጋድ ፈተነ ብሰንኪ ከሰማምዖም ዘይክኣለ ነጥብታት ንካልእ እዋን ከምዝተሰጋገረ ኣቐዲሙ ተጠቒሱ’ዩ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0