ነርወይ፣ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝተዋህቦም ኤርትራውያን ንሕግታት ዑቕባ ይጥሕሱ ኣለዉ ክትብል ደጊማ ተጠንቕቕ

ነርወይ፣ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝተዋህቦም ኤርትራውያን ንሕግታት ዑቕባ ይጥሕሱ ኣለዉ ክትብል ደጊማ ተጠንቕቕ

Radio Erena: 27 June, 2014

Nor

ኣብ ኖርወይ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝተዋህቦም ኤርትራውያን፣ ሕግታት ፖለቲካዊ ዑቕባ ይጥሕሱ ከምዘለዉ ዳይረክተር ክፍሊ ኢምግሬሽን እታ ሃገር ፍሮድ ፎርፋንግ ኣጠንቒቑ።

ብፍላይ ክፍሊ ኢምግሬሽንን ስደተኛታትን ነርወይ፣ ብተደጋጋሚ ክገልጾ ከምዝጸንሐ፣ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝተዋህቦም ኤርትራውያን፣ ተመሊሶም ናብ ዓዶም ተዛዊሮም ክመጹ ከምዝጸንሑ ብምጥቃስ፣ እዚ ድማ ንሕጊ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝጥሕስ’ዩ ክብል ደምዲሙ።

 

ነዚ ንምቁጽጻር ድማ፣ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝተዋህቦም ኤርትራውያን፣ ዝወሃቦም ናይ መጓዓዝያ ሰነድ ናብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፣ ናብ ሱዳንን ኢትዮጵያን’ውን ከይገሹ ዝኽልክል ክኸውን ተወሲኑ ኣሎ።

ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ ን843 ኤርትራውያን ዑቕባ ዝሃበት ነወርይ፣ ብድምር ዑቕባ ካብ ዝሃበቶም ዜጋታት ካልኦት ሃገራት እዚ ናይ ኤርትራ ብ66 ሚእታዊት ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ ይርከብ።

ነርወይ፣ በቲ ሓደ ወገን ዑቕባ ዝሃበቶም ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ከይገሹ፣ እንተጌሾም ድማ ናይ ስደተኛ መሰሎም ከተሕድግ ምዃና እናገለጸት በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ፣ ፖለቲካዊ ዑቕባ ንዝነጸገቶም ኣስታት 500 ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ንምምላስ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምዝርራብ ከምዘላ’ያ ትጥቐስ።

እታ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዑቕባ ዝሓቱላ ዘለዉ ሽወደን’ውን ብውግዒ ዝኾነ ውሳኔ እኳ እንተዘይሃበት፣ ፖለቲካዊ ዑቕባ ተዋሂብዎም ናብ ኤርትራ ናይ ዝመላለሱ ኤርትራውያን ጉዳይ መጽናዕቲ ተካይድ ከምዘላ’ዩ ዝጥቐስ።

ዘ ሎካል ዝተባህለ ማዕከን ዜና ብዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት፣ ብዝሒ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ሽወደን ድሕሪ ናይ ሶርያ ብብዝሒ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ’ዩ ዝስራዕ።

==========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0