መንግስቲ ኤርትራ ተወሰኽቲ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ለቒቑ

መንግስቲ ኤርትራ ተወሰኽቲ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ለቒቑ

Radio Erena: 26 June, 2014

yeme

መንግስቲ ኤርትራ ሒዝዎም ዝጸንሐ 26 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ለቒቑ።

እቶም ብሰሉስ 24 ሰነ ካብ ኤርትራ ዝተፋነዉ 26 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ትማሊ ናብ ወደባዊት ሖዴዳ ኣብ ዝኣተውሉ፣ ማሕበር ገፈፍቲ ዓሳ የመን ድሙቕ ኣቐባብላ ከምዝገበሩሎም ማዕከናት ዜና የመን ሓቢረን።

ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ የመን ኣብ ኤርትራ መሓመድ ኣልዓዛኒ ካብ ኣስመራ ንማዕከን ዜና ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ኤምባሲ የመን ምስ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ከካይዶ ብዝጸንሀ ቀጻሊ ጻዕርታት እቶም የመናውያን ገፍፍቲ ዓሳ ክልቐቑ ከምዝኽኣሉ ኣፍሊጡ።

 

ብመሰረት ጸብጻብ መንግስታዊ ማዕከን ዜና የመን፣ ካብ 2013 ክሳብ እዚ እዋን’ዚ መንግስቲ ኤርትራ ሒዝዎም ዝጸንሐ 2242 የመናውያን ገፍፍቲ ኦኣሳ በብእዋኑ ለቑቑዎም ኣሎ።

እዞም ሕጂ ዝተለቑ 26 ድማ፣ ኣብ ኤርትራ ካብ ኣውራሕ ክሳብ ዓመታት ተታሒዞም ካብ ዝጸንሑ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ እቶም ናይ መወዳእታ ምዃኖም ኤምባሲ የመን ካብ ኣስመራ ገሊጹ።

ይኹን’ምበር ማሕበር ገፈፍቲ ዓሳ የመን፣ ገና ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ዝተታሕዙ የመናውያን ከምዘለዉ የመልክት።

መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ ምትሓዝ ይኹን ምልቓቕ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ብዝምልከት ወትሩ ሓበሬታ ካብ ምሃብ ምስተቖጠበ’ዩ።

=========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0