ቱርኪን ቀጠርን፣ ኣብ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ዘተኮረ ዘተ ኣካይደን

Radio Erena: 24 September 2019

ቱርኪን ቀጠርን ኣብ ወትሃደራዊ መዳይ ዘለወን መደባት ብምትኳር ዘትየን።

ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ቱርኪ ጀነራል ያሲርር ጉለር ምስ ቀጠራዊ ሚኒስተር ምክልኻል ካልድ መሓመድ ቢን ኣል ዓጢያ ተራኺቡ ከምዝተዘራረበ ኣገልግሎት ዜና ቀጠር ሓቢሩ።

ክልትኤን ሃገራት ኣብ ወትሃደራዊ ዘተኮረ ዝርርብ ዘካይዳ ዘለዋ፣ ብጉዳይ ‘ቲ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብቲ ዞባ ወጥሪ ሰፊንሉ ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ።

ኣቐዲማ ቱርኪ፣ ኣብ ቀጠር ዝጸንሓ ወትሃደራዊ መዓስከር ብምስፋሕ፣ ተወሰኽቲ ሰራዊትን ኣጽዋርን ከተዋፍር ምዃና ኣፍሊጣ’ያ።

ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝተመርሐ ምትእኽኻብ ሃገራት ወሽመጥ፣ ምስ ቀጠርን ቱርኪን ዝጸንሖ ምስሕሓብ ከይፈትሐ፣ ኣብ ጉዳይ ኢራን ሓባራዊ መርገጺ ክወስድ ከምዘይክእል ተንተንቲ የረድኡ።

ቱርኪ፣ ካብ ቀጠር ወጻኢ፣ ኣብ ሶማል’ውን ወትሃደራዊ መዓስከር ከምዘለዋ ይፍለጥ።

ብዘይካ’ዚ ኣብ ሱዳን፣ ብሓገዝ ቀጠር፣ ኣብ ወደብ ስዋኪን’ውን ተመሳሳሊ መደብ እኳ እንተነበራ፣ ስርዓት ኣልበሺር ብምውዳቑ እቲ መደብ ተሰናኺሉ ምህላዉ ይግለጽ።

ሃገራት ዓረብ፣ ኣጋጢሙወን ዘሎ ምክፍፋል፣ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ቅድድም ወትሃደራዊ ሽርክነት ኣውዲቕዎ ይርከብ።

ኤርትራ፣ ጅቡቲን ሶማሊላንድን ምስ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ክውግና እንከለዋ፣ ሶማል፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ግና ምስ ክልቲኡ ደምበታት ዝጸንሐን ዝምድና ክቕጽላ ከምዝደልያ’የን ዝገልጻ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ቀጠርን ቱርኪን ተሓባቢረን፣ ኣሕዋት እስላም ንዝተባህለ ምንቅስቃስ ብምድጋፍ፣ ኣንጻሩ ውዲት ይኣልማ ከምዘለዋ’ዩ ዝወቅስ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0