ብስሩዕ ኣብ ግብሪ ዘይወዓለ ሓድሽ ኣዋጅ መጠን ክፍሊት ክራይ ናይ ብሕቲ መንበሪ ኣባይቲ፣ ንኣካረይቲን ተኻረይቲ የሰሓሕብ

Radio Erena: 24 September 2019

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንመጠን ክፍሊት ክራይ ናይ ብሕቲ መንበሪ ኣባይቲ ዝምልከት ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ግብሪ ዘውዓሎ ኣዋጅ፣ ንተኻራይቲን ኣካረይቲን የሰሓሕብ ከምዘሎ ተገሊጹ።

እቲ 1 ነሓሰ 2018 ኣትሒዙ ዝተኣወጀ ሓድሽ መጠን ክፍሊት ክራይ ናይ ብሕቲ መንበሪ ኣባይቲ፣ ኣብ መንጎ ኣካረይትን ተኻረይትን ዝጸንሐ ምፍሕፋሕ ብዝበኣሰ ከጋድድ ምዃኑ ኣቐዲሙ ካብ ሓያሎ ወጋናት ስግኣታት ክቀርብ ጸኒሑ’ዩ።

ብመሰረት እቲ መንግስቲ ክትግበር ዘውጽኦ ኣዋጅ፣ መጠን ክፍሊት ክራይ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ ብዓቐን ስፍሓትን ዝርከበሉ ከባቢታትን ዝምርኮስ ኮይኑ፣ 20 ትርብዒት ሜትሮ ንእትግመት ተራ መንበሪ ገዛ እቲ ዝኸበረ መጠን ወርሓዊ ክፍሊታ 600 ናቕፋ’ዩ።

ተኻረይቲ፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ተሰሊዑሎም ዘሎ መጠን ክፍሊት ክራይ መንበሪ ኣባይቲ፣ ከም ካንሸሎ ንዝኣመሰለ ብሓባር ዝጥቀምሉ ክፉት መሬት ፣ ንሓደ ትርብዒት ሜትሮ ብሕሳብ 50 ሳንቲም ክኸፍሉ’ዩ ይግደዱ።

ይኹን’ምበር፣ ካብ ሓንቲ 20 ትርብዒት ሜተር እትገምት ገዛ፣ ኣቐዲሙ ዝነበረ ክሳብ 3 ስሕ ናቕፋ ዝግመት ወርሓዊ ክፍሊታ ናብ 600 ናቕፋ ምውራዱ፣ ኣካረይቲ፣ እቲ ገዛ ንወደይ ወይ ጓለይ ክህቦ’የ ወይ ድማ ከምኡ ዝኣመሰለ ዝተፈላለየ ምስምሳት እናተጠቕሙ ንተኻረይቲ የከላብትዎም ምህላዎም’ዩ ዝግለጽ።

ብመሰረት መንግስቲ ዘውጽኦ ኣዋጅ፣ ኩሉ’ቲ ናይ ክራይ ውዕላት ብመንገዲ ምምሕዳራት ጥራይ ከምዝሰላሰል እኳ እንተተገልጸ፣ እቲ መንግስቲ ንትግባሪኡ ብዕቱብ ይከታተሎ ከምዘሎ’ዮም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ወገናት ዝጠቕሱ።

ግና ህዝቢ እምነት ኣጉዲሉ ከምዘሎ ካብ ኣስመራ ዝተወከስናዮ ሓደ ሓደ ወገናት የረድኡ።

እቲ መንግስቲ፣ ቅድሚ ሕጂ ንዞባ ማእከል ጥራይ ዝምልከት ዘውጽኦ ተመሳሳሊ መምርሒ ኣብ ግብሪ ክውዕል ብዘይምኽኣሉ ንኣካረይትን ተኻረይትን ከምዘናቖተ ኣይርሳዕን።

ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ብዕጽፍታት እናነሃረ ክመጽእ ዝጸንሐ መጠን ክፍሊት ክራይ መንበሪ ኣባይቲ፣ ሓደ ካብቲ ዝኸበደ ብድሆታት ማሕበረ ቁጠባዊ ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ’ዩ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    wedinakfa 5 years ago

    Mountain out of a molehill!! the irony is the camel is marching stridently the dogs are barking mad.