ተኸታታሊ መጥቃዕታት ኣልሸባብ ሚኒስተር ፍትሒ ነበር ዝርከቦም ሓያሎ ሰባት ቀቲሉ

Radio Erena: 31 July 2022
ኣብ ዞባ ምዕራብ ናይ ሶማል ሚኒስተር ፍትሒ ዝነበረ፣ ኣልሸባብ ብዘጻወዶ ነታጒ ከምዝተቐትሉ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።
እቲ ሓሰን ኢብራሂም ዝተባህለ ሚኒስተር ፍትሒ፣ ካብ ሞቓድሾ ኣስታት 245 ኪሎሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ባይዶዋ፣ ትማሊ ዓርቢ ካብ መስጊድ እንዳወጸ እንከሎ እዩ ተቐቲሉ።
በቲ ኣልሸባብ ዘጻወዶ ነታጒ ወዱ ነቲ ሚኒስተር ዝርከቦም ብውሑዱ 11 ሰባት ብከቢድ ቆሲሎም ኣለዉ።
ጥሩፍ ጉጅለ ኣልሸባብ ናይቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ብምውሳድ፣ ተመሳሳሊ መጥቃዕታት ኣብ ከተማታት ማርካን ኣፍጎየን እውን ምክያዱ ገሊጹ።
ኣብቲ ኣጋጣሚ፣ ኣመሓዳሪ ከተማ ማርካ ዝርከቦም ብውሑዱ 20 ሰባት ተቐቲሎም።
ኣልሸባብ ዶብ ሰጊሩ ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ተደጋጋሚ መጥቃዕታት ከካይድ ምቕናዩ ዝዝከር ኮይኑ፣ ትማሊ ዓርቢ’ውን ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ምክያዱ ኣፈኛ’ቲ ጥሩፍ ጉጅለ ገሊጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0