ደ.ሱዳን፣ መሰጋገሪ መንግስቲ ዕድመ ስልጣኑ ክናዋሕ ሕቶ ቀሪቡ

Radio Erena: 31 July 2022
መሰጋገሪ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ ብሽዱሽተ ኣዋርሕ ክናዋሕ ዝጠልብ ኣብ መንጎ ፕረዚደንታት ሳልቫ ኪርን፣ ዮወሪ ሙሰቨኒን ዘተ ተኻዪዱ።
ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ብዕለት 29 ሓምለ ናብ ዩጋንዳ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣብ ዘካየደሉ፣ ምስ ዮወሪ ሙሰቨኒ ብምርኻብ፣ ዘይተጻፈፉ ስልጣናት ዕማማት ሰበስልጣናትን ስለዘለዉ፣ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ክናዋሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጹ። ምስ መቐናቕንቱ ቀዳማይ ምኽትል ፕረዚደንት ሪክ ማቻር’ውን ብዛዕባ ምንዋሕ ግዜ ከምዝተሰማመዐ ገሊጹ።
ብመንጎኝነት ሱዳንን ዩጋንዳን ኣብ 2018 ዝተበጽሐ ምምስራት ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ሳልቫ ኪርን ሪክ ማቻርን ተፈጢሩ ንዝነበረ ኲናት ከምዝዓርፍ ገይሩዎ እዩ።
ኣብቲ ዝተኻየደ ስምምዕ፣ ቅድሚ ለካቲት 2023 ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ሓፈሻዊ ምርጫ ክካየድ ዝጠልብ ነጥቢ ይርከቦ። እንተኾነ፣ ካብቲ ክትግበር ተባሂሉ ዝተበጽሐ ስምምዓት፣ ዘይተተግበረ ስለዝበዝሕ፣ ምንዋሕ ግዜ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ፣ ካልእ ተወሳኺ ሽግር ከየምጽእ ስግኣት ኣሎ።
ፖለቲካዊ ግጭት ደቡብ ሱዳን፣ ብናይ ስልጣን ቁርቁስ ጀሚሩ፣ ናብ ዓሌታዊ ጎንጺ ብምምርሑ፣ ነታ ሃገር ገና ከም ሃገር ከይቆመት እንከላ ናብ ውግእ ሓድሕድ እዩ ሸሚሙዋ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0