ተቓወምቲ ምብራቕ ሱዳን፣ ስምምዕ ኣስመራ ዝፈሸለሉ ምኽንያት ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ዘትዮም

ተቓወምቲ ምብራቕ ሱዳን፣ ስምምዕ ኣስመራ ዝፈሸለሉ ምኽንያት ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ዘትዮም

Radio Erena: 15 September 2015

Booth

ተቓወምቲ ምብራቕ ሱዳን፣ ኣብ 2006 ምስ መንግስቲ ሱዳን ዝተኸተመ ስምምዕ ኣስመራ ኣብ ግብሪ ዘይወዓለሉ ምኽንያት ብዝምልከት ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ዶናልድ ቡዝ ዘትዮም።

እቶም ኣብ ትሕቲ ጽላል ሰውራዊ ግንባር ሱዳን ዝተጠርነፉ ተቓወምቲ ምብራቕ ሱዳን ብ9 መስከረም ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ፍሉያት ወከልቲ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት’ዮም ነቲ ኣብ 14 ጥቕሚ 2006 ብመንጎኝነት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ምብራቕ ሱዳን ዘይተዕእወተሉ ምኽንያት ዝተዘራረብሉ።

ጎኒ ጎኒ’ቲ ምስ ልኡኻት ዝተፈላለየ ሃገራት ዘካየድዎ ርክብ፣ ምስ ወኪል ኣመሪካ ዶናልድ ቡዝ ኣብ ዘካየድዎ ፍሉይ ምይይጥ ድማ፣ ነቲ ኣብ ግብሪ ዘይወዓለ መስርሕ ሰላም ምብራቕ ሱዳን፣ ክዕወት ዝኽእለሉ ነጥብታት ዝሓቖፈ መዘከር ኣረኮቦሞ።

 

ብቤጃን ራሻይዳን ዝቖመ ግንባር ምብራቕ ሱዳን፣ ድሕሪ’ቲ ናይ ኣስመራ ስምምዕ ሓለፍቲ ምስ መንግስቲ ሱዳን ክጽንበሩ እንከለዉ፣ ኣባላት’ቶም ሓይልታት ድማ ዕጥቖም ከምዘውረዱ ኣይርሳዕን።

እንተኾነ እቲ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን ብዝብል ምኽንያት ዝተፈላለዩ ተቓወምቲ ሓይልታት እቲ ዞባ ኣብ ትሕቲ ስሙር ህዝባዊ ግንባር ንሓርነትን ፍትሕን ተጠርኒፎም ኣንጻር መንግስቲ ሱዳን ቃልሶም ኣብ ምቕጻል ይርከቡ።

=======================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0