ጀርመን ብሰንኪ ዋሕዚ ስደተኛታት ዶባታ ትዓጹ

ጀርመን ብሰንኪ ዋሕዚ ስደተኛታት ዶባታ ትዓጹ

Radio Erena: 15 September 2015

Ger

ጀርመን ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ምስ ኦስትርያ ዘለዋ ዶብ ንግዜኡ ዓጽያቶ።

እታ ሃገር፣ ካብ ኦስትርያ ንዝብገሳ ናይ መጓዓዝያ ባቡር ዶባታ ከይሓልፋ’ውን ንዝተወሰነ ሰዓታት ከልኪላ ምንባራ ማዕከናት ዜና ኤውሮጳ ሓቢረን።

እዚ ጀርመን ወሲዳቶ ዘላ ስጉምቲ፣ ንግዜኡ ምዃኑ መንግስቲ እታ ሃገር እኳ እንተገለጸ፣ ኣብ ምድሪ ኤውሮጳ ናጻ ምንቅስቓስ ዝፈቕድ ውዕል ሸንገን ዝጥሕስ’ዩ እናተባህለት ይንቐፍ ኣሎ።

 

ብብዝሒ ሶርያውያንን ስደተኛታት ኣዕለቕሊቓ ከምዘላ እትገልጽ ጀርመን፣ ካልኦት ሃገራት’ውን ገለ ክፋል እቶም ስደተኛታት ክቕበላ ትሓትት ኣላ።

ፈረንሳ ኣብዚ ክልተ ዓመት 24 ሽሕ ስደተኛታታት ንምቕባል ክትውስን እንከላ፣ ካብ ካልኦት ሃገራት ግና እወታዊ ምላሽ ኣይረኸበን።

ዋሕዚ ስደተኛታት ሓደ ካብ ዝዓበየ ኣጀንዳታት ሕብረት ኤውሮጳ ኮይንሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ደንማርክ’ውን ምስ ጀርመን ዘለዋ ዶባት ንዝተወሰነ መዓልታት ዓጽያቶ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ጽኑዕ ምቁጽጻር ትገብረሉ ኣላ።

ኣብ ኤውሮጳ ብዝሒ ስደተኛታት ብምቕባል ጀርመን፣ ሽወደንን ፈረንሳን ኣብ ቅድሚት ተሰሪዐን ይርከባ።

==============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0