ተስፋልደት ኣለም ምሓረና ድሕሪ ምዕራፉ ኣድናቖት ይረክብ

Radio Erena: Monday, 29 January 2024

መስራቲ እታ ኣብ ደንበ ደለይቲ ፍትሒ ናይ መጀመርታ ምኳና ዝእመን መርበብ ሓበሬታ ‘ኣዝማሪኖ’ ዝኾነ ተስፋልደት ኣለም ምሓረና ካብዛ ዓለም ብሞት ድሕሪ ምፍላዩ ስርሑ ዝያዳ ይጎልሕን ካብ ፈለጥቱ ድማ ኣድናቖትን ምስጋናን ረኺቡ::

ናይ ተክኖሎጂ ኢንትርኔት (IT) ክኢላ ዝኾነ ተስፋልደት ኣለም ምሓረና ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ካብቲ ዝቕመጦ ዝነበረ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ናብ ኤርትራ ከምዝተመላለሰ ይግለጽ::

ተስፋልደት ኣብ ኤርትራ ናይ ኢንተርኔት ምዕባለ ከተኣታቱ ንሰበስልጣን ዘቕረቦ እማመ ከምዘትሰለጦ: ኣብ 1997 መርበብ ሓበሬታ ‘ኣዝማሪኖ’ ከምዝመሃዘ ይግለጽ::

ኣብ ዓመተ 2001 ኤርትራ ካብ ሓዲድ ዲሞክራሲ ብምውጻእ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታ ድሕሪ ምዕጻዋን ጋዜጠኛታትን ለውጢ ዝሓተቱ ሰበ-ስልጣንን ድሕሪ ምቕያዳን መርበብ ሓበሬታ ‘ኣዝማሪኖ’ ንጸሓፍቲ ክፍትቲ ብምኳን ናይ ነጻ ሓሳብካ ምግላጽ መድረኽ ከፊታ::

በዛ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝቕመጡ ኤርትራውያን ካብ ናይ መንግስቲ ዝህቦ ሓበሬታ ፍልይ ዝበለ ፍልይ ዝበለ ጽሑፋት ከንብቡ ሓጊዛ::

መርበብ ሓበሬታ ‘ኣዝማሪኖ’ ናይ ዝርርብ ክፍሊ (chat room) ዝነበራ ብምኳና ሓያሎ ኤርትራውያን ክላለዩን ክዘራረቡን’ውን ዕድል ከፊታ እያ::

ተስፋልደት ብዘይካ ‘ኣዝማሪኖ’ ‘ድምጺ ደሊና’ እትብሃል ራድዮ’ውን ብምኽፋት ናብ ኤርትራ ከምትኣቱ ጌሩ እዩ::

ተስፋልደት ብተወሳኺ ‘ኣለም ሶፍት’ ‘ኪ ሶፍት’ን ካልእን ዝብሃሉ ናይ ኢንትርኔት ፕሮግራም ብሮግራማት ክምስርት እንከሎ: ‘ደሊና-ግእዝ-ዎርድ’ ኣይ-ብራና፡ ቃል-ደሊና ዝብሉ ብፊደላት ግእዝ ከጽሕፉ ዘኽእሉ ፕሮግራማት ብምድላው ከም ትግርኛ ዝኣመሰሉ ብፊደላት ግእዝ ዝጸሓፉ ቋንቋታት ኣብ ምምዕባል ዓቢ ተራ ተጺዊቱ::

ተስፋልደት ኣለም ምሓረና ድሕሪ ዝሓደሮ ሕማም ብረቡዕ 24 ጥሪ 2024 ብሞት ከምዝሓለፈ ስድራቤቱ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ዜና ዕረፍቲ ይሕብር::

ድሕሪ ዝወጸ ዜና ዕረፍቲ ሓያሎ ኤርትራውያን ተቓለስቲ ንፍትሒን ዲሞክራስን ተስፋልደት ብውልቂ ይኹን ብሓባር ዘበርከቶ ሓገዛት: ዘፍረዮ ስረሓት: ዝነበሮ ተወፋይነት: ዘበርከቶ ቃልስን ኣብ ምግላጽ ምድናቕን ምምስጋንን ይርከቡ::

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0