ቡርኪናፋሶ: ማሊን ኒጀርን ካብ ‘ኤኮዋስ’ ስሒበን

Radio Erena: Monday, 29 January 2024

ድሕሪ ወተሃደራዊ ዕልዋታት ብሰራዊት ዝመሓደራ ዘለዋ ሃገራት ቡርኪናፋሶ: ማሊን ኒጀርን ካብ ኣባልነት ምትእኽኻብ ማሕበረሰብ ቁጠባ ምዕራብ ኣፍሪቃ ‘ኤኮዋስ’ ስሒበን::

ወተሃደራውያን መራሕቲ እተን ሃገራት ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ: ድሕሪ ወተሃደራዊ ዕልዋ ‘ኤኮዋስ’ ኣብ ልዕሊ እተን ሃገራት ጌርዎ ዘሎ እገዳ ኢሰብኣዊ ምኳኑን ንሃገራቶም ስግኣት ምኳኑን ገሊጾም::

እቲ መግለጺ: ‘ኤኮዋስ’ ብምዕረባውያን ናይ ወጻኢ ሓይልታት ዝድፋእ ዘይኣፍሪቃዊ ባህርያት ዘርኢ ከምዝኾነ ክሕብር እንከሎ ሃገራት ቡርኪናፋሶ: ማሊን ኒጀርን ብቕጽበት ኣባልነት ሰሪዘን ከምዘለዋ ኣፍሊጡ::

ኤኮዋስ ናይ ቁጠባን ነጻ ንግድን ምትእኽኻብ ኮይኑ ኣብ ፖለቲካ ጸጥታን ውሕስነትን ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ’ውን ዓቢ ተራ ይጻወት: ናይጀርያ፡ ኣይቮሪኮስት፡ ቶጎ፡ ጋና፡ በኒን፡ ቡርኪነፋሶ፡ ኒጀር፡ ሰራልዮን፡ ሰኔጋል፡ ማሊ፡ ላይበርያ፡ ጊኒ፡ ጊኒ ቢሳው፡ ጋምብያን ኬፕ ቨርደን 15 ሃገራት ኣባላቱ ኮይነን ጸኒሐን::

ኤኮዋስ ኣብ ኣባላት ሃገራት ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ምስ ዘጋጥም: ቁጠባዊን ካልእ እገዳታትን ይገብር ካብኡ ሓሊፉ’ውን ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጹ እሞ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዝተኣልዩ መራሕቲ ናብ ቦትኦም ክመልሶም ይፍትን::

ኤኮዋስ ብተወሳኺ ንዘጋጥሙ ዕልዋታት ይኹኑ እብያ ምውራድ መራሕቲ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ክፈትሖ ይደናደን እዩ::

ኣቐዲሞም ዝሓለፈ ወርሒ ሚኒስተራት ወጻኢ ጉዳያት ቡርኪናፋሶ: ማሊን ኒጀርን ኣብ ቀረባ መጻኢ ሃገራቶም ብፈደረሽን ተቖሪነን መንግስቲ ዝምስርታሉ መገዲ ከማዕድዋ ተሰማሚዖም እዮም::

እቶም ሚኒስተራት ኣብቲ ኣብ ርእሰከተማ ባማኮ – ማሊ ተራኺቦም ዝገበርዎ ዝርርብ ሃገራቶም ኣብ ዲፕሎማሲ: ምክልኻልን ምዕባለትን ሓቢረን ክሰርሓን ኣብ መጻኢ ፈደረሽን ክምስርታ ዘኽእለን ማዕበራትን ኮምፈደረሽንን ክምስርታ ተረዳዲኦም::

እቶም መራሕቲ ብተወሳኺ ናይ ጸጥታ ምርግጋእ ማዕከን: ናይ ወፍሪ ባንኪን እተን ሃገራት ብኸመይ ክሓብራ ይኽእላ ዘጽንዕ ኣካልን ከቑማ እየን::

ሃገራት ቡርኪናፋሶ: ማሊን ኒጀርን ዕልዋ መንግስቲ ኣካይዶም ኣብ ስልጣን ኮፍ ብዝበሉ ወተሃደራውያን መራሕቲ እየን ዝመሓደራ ዘለዋ::

እዘን ሃገራት ኣቐዲመን ሓባራዊ ናይ ምክልኻል ውዕል ክፍርማ እንከለዋ መዓስ ናብ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጹ መራሕቲ ክርከባ እየን ኣብ ዝብል ንጹር መደብ የብለንን::

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብዘን ሃገራት ዘለዉ መራሕቲ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ብህዝቢ ዘይተመርጹ ክንሶም እዮም ኣብ ነጥበ መቐይሮ ህልውን መጻእን ዕድል እተን ሃገራት ውሳነታት ዘሕልፉ ዘለዉ::

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0