ተማሃሮ ዲያእ ኣል እስላምያ ኣብ ኣስመራ ንዘካየድዎ ተቓውሞ ዝድግፍ ሰልፍታት ሕጂ’ውን ይቕጽል

ተማሃሮ ዲያእ ኣል እስላምያ ኣብ ኣስመራ ንዘካየድዎ ተቓውሞ ዝድግፍ ሰልፍታት ሕጂ’ውን ይቕጽል

Radio Erena: 17 November 2017

Addis Eritreans Demo

ተማሃሮ ዲያእ ኣልእስላምያ ብ31 ጥቅምቲ ንዘካየድዎ ተቓውሞ ዝድግፍ ሰለማዊ ሰልፍታት ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ኣመሪካን ኣፍሪቃን ሕጂው’ን ይቕጽል ኣሎ።

በዚ መሰረት ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መዓስከራትን ከተማ ኣዲስ ኣበባን ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ ካብታ ሃገር ዝበጽሓና ጸብጻብ ኣረዲኡ።

ኣብቲ ብ15 ሕዳር ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ሰልፊ፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልኪ ከብቅዕ ብምጽዋዕ፣ ኣብ ስደት ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ነቶም ናይ መሰል ሕቶ ዘቕረቡ ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ዲያእ ኣል እስላምያ ከምዝድግፍ ኣረጋጊጾም።

እቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘካየድዎ ሰልፊ፣ ተኣሲሮም ዘለዉ ኣካየድቲ እታ ቤት ትምህርቲ፣ መማህራን፣ ወለድን ተማሃሮን ክፍትሑ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ዓለም ንመንግስቲ ኤርትራ ጸቕጢ ክገብር ሓቲቶም።

ተማሃሮ ዲያእ ኣልእስላምያ ብ31 ጥምቅቲ ኣብ ኣስመራ ድሕሪ ዘካየድዎ ተቓውሞ፣ ሓያሎ ተማሃሮ ወለድን መማህራንን ክሳብ እዚ ዕለት እዚ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ኮሚተ ወለዲ ተማሃሮ ዲያ ኣል እስላምያ ተኣሲሮም ዘለዉ ማሕበረ ሰብ እታ ቤት ትምህርቲ ክፍትሑ ምስ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብ ምክርኻር ይቕጽሎ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኣስመራ የረጋግጹ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0