ብጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ፈረንሳ ናብ ጂቡቲ በጺሑ

Radio Erena: 21 November 2022

ብጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት፣ ጀነራል ቴሪ ቡርካርድ ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ላኡኽ መንግስቲ ፈረንሳ ናብ ጂቡቲ ወግዓዊ ምብጻሕ ኣካይዱ።

እቲ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ ፈረንሳ፣ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዘካየዶ ዑደት ምስ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ፣ ሚኒስተር ምክልኻል፣ ሓሰን ዑመር መሓመድቡርሃንን ምስ ጁቡታዊ መዘንኡ፣ ጀነራል ዘካርያ ሸኽ ኢብራሂም ብምርኻብ ኣብ ህሉው ወትሃደራዊ ኩነታት እቲ ዞባን ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ሃገሩን ጂቡቲን ብምትኳር ተመያይጡ።

እቲ ጀነራል፣ ኣብ ጂቡቲ ኣብ ዝጸንሓሉ፣ ኣብታ ሃገር ዓስኪሮም ናብ ዝርከቡ ኣስታት 1500 ወትሃደራት ፈረንሳ በጺሑ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም’ውን፣ ብሚኒስተር ምክልኻል፣ ሰባስትያን ለኮርኑ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ፈረንሳ ኣብ ጂቡቲ ተመሳሳሊ ምብጻሕ ምክያዱ ይዝከር።

ቆላሕታኣ ናብ ቻይና ከይትገብር ስግኣት ኣሕዲራ ከምዘላ እትግለጽ ፈረንሳ፣ ላዕለዎት ልኡኻታ ናብታ ሃገር ክትሰድድ፣ ኣብ ውሽጢ እዚ ክልተ ኣዋርሕ ንኻልኣይ እዋና’ዩ።

ኣመሪካ ብወገና፣ ቻይና ኣብ ጂቡቲ እተካይዶ ዘላ ምስፍሕፋሕ ካብ ዝፈጠረለ ስግኣት ተበጊሳ፣ ካብ 2002 ኣትሒዛ ንዝዓስከረትሉ ለሞንየ ብዘመናዊ መልክዕ ኣብ ምዕባዩ ተጸሚዳ ትርከብ።

ፈረንሳን ኣመሪካን ተማዓድየን ዓስኪረናሉ ዝርከባ ገማግም ባሕሪ ጂቡቲ፣ ብድምር ልዕሊ 6 ሽሕ ወትሃደራት ክሓቝፍ እንከሎ፣ ነፈርቲ ውግእ፣ መርኽብ ኵናትን ታንክታትን የጠቓልል።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0