ብዝሒ ዘለዎም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ብዘይዝኾነ ኣላዩ ባሕሪ እናሰገሩ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ዑቕባ ይሓቱ ምህላዉም ተገሊጹ

ብዝሒ ዘለዎም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ብዘይዝኾነ ኣላዩ ባሕሪ እናሰገሩ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ዑቕባ ይሓቱ ምህላዉም ተገሊጹ

Radio Erena : 25 February 2015

erichild

ብዝሒ ዘለዎም ኤርትራውያን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ብባሕሪ እናሰገሩ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ይኣትዉ ምህላዎም የዘራርብ ኣሎ።

መብዛሕቶም እዞም ቆልዑ ብዘይዝኾነ ኣላዩ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ሰጊሮም፣ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ተዓቝቦም ዝጸንሑ ኮይኖም፣ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ናይ ምጥያስ መርሕ ይኹን ካልእ ዕድላት ክረኽቡ ብዘይምኽኣሎም’ዮም ሓደገኛ ናይ ባሕሪ ጉዕዞ እናሰገሩ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ዑቕባ ዝሓቱ ዘለዉ።

ከም ቢቢሲ፣ ሬድዮ ፍራንስ ኢንተርናሽናል፣ ራይ ኡኖ ..ወዘተ ዝኣመሰላ ማዕከናት ዜና ኤውሮጳ ብዛዕባ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ጥራይ ዘይኮነ ጉዳይ’ቶም ብዘይኣላዩ ዑቕባ ንምሕታት መጺኦም ዘለው ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ብምትኳር ዝተፈላለየ ጸብጻባት የቕርባ ኣለዋ።

 

ኣዝዮም ብዙሓት ካብዞም ብትሕቲ ዕድመ ተመዝጊቦም ዘለዉ ኤርትራውያን እቲ ልክዕ ዕድም ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ እኳ እንተኾነ፣ ካብ 16 ክሳብ 17 ዓመት ዝዕድሚኦም ትሕቲ ዕድመ ብብዝሒ ክህልዉ ከምዝኽእሉ ግና ይግመት።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ እንዳባ ጉና ኣብ ዝርከብ መቐበሊ ስደተኛታትን ኣብ መዓስከር ሸገረብ ናይ ሱዳንን ኣማኢት ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ምህላዉ ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

ኣብዚ እዋን’ዚ ምስሊ ኤርትራ ልዕሊ ዝኾና ካልእ ግዜ ብስደት ጎሊሕሉ ይርከብ።

ጠንቒ ስደት ኤርትራውያን’ውን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ መንግስቲ ዝፍጽሞ ዘሎ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ግዱድ ወትሃደራዊ ዕስክርናን ምዃኑ ብሰፊሑ ይዝርከበሉ።

ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ግዱድ ወትሃደራዊ ዕስክርና ንመንእሰያት ጥራይ ዘይኮነ ኣብዚ እዋን’ዚ ክሳብ 65 ዓመት ንዝዕድሚኦም ኣቦታት ከይተረፈ’ውን ኣረኻኺብሎም ኣሎ።

==============================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0