ፖሊስ ኬንያ ልዕሊ 100 ኢትዮጵያውያን ቀይዱ

ፖሊስ ኬንያ ልዕሊ 100 ኢትዮጵያውያን ቀይዱ

Radio Erena : 25 February 2015

kenya100eth

ፖሊስ ኬንያ ልዕሊ 100 ኢትዮጵያውያን ኣብ ቀይዲ የእትዩ።

እቶም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ኢትዮጵያውያን፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምስጋር ኣብ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ሓደ ገዛ ተሓቢኦምሉ ኣብ ዝነበሩ ግዜ’ዮም ብፖሊስ ተታሒዞም።

ሓላፊ ፍሉይ ስርሒታት ፖሊስ ኬንያ ኖህ ካቱሞ፣ እቶም ልዕሊ 100 ኢትዮጵያውያን ኣብ ቀይዲ ኣይቶም ከምዘለውይ ብምርግጋጽ፣ ኣብ ምስግጋሮም ዝተሓባበሩ ሰለስተ ኬንያውያን’ውን መርመራ ይካየደሎም ምህላዉ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኬንያ ነዞም ሒዞም ዘሎ ኢትዮጵያውያን ናብ ዓዶም ክመልሶም ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

 

ኣማኢት ኢትዮጵያውያን ብመንገዲ ኬንያ፣ ታንዛንያንን ካልኦት ሃገራትን እናቆራረጹ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝኣትዉ ይፍለጥ።

=========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0