ብዘይካ ኤርትራ ኩለን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝሳተፍኦ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ኣብ ሱዳን ይካየድ

ብዘይካ ኤርትራ ኩለን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝሳተፍኦ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ኣብ ሱዳን ይካየድ

Radio Erena: 22 November 2017

East Africa Standby force

10 ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝሳተፍኦ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ኣብ ሱዳን ይካየድ ይካየድ ኣሎ።

እቲ ብድሉው ሓይሊ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝፍለጥ ኣስታት ሓደ ሽሕ ወትሃደራት ዝሓቖፈ ሰራዊት፣ ብ20 ሕዳር ልምምድ ከምዝጀመረ ዘረጋገጸ ሚኒስተር ምክልኻል ሱዳን መሓመድ ዓሊ ሳልም ክሳብ 3 ታሕሳስ ክቕጽል ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ዋና ጸሓፊ ናይቲ ድሉይ ሓይሊ ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ጅቡታዊ ዓብዱላሂ ዑመር ቡሕ፣ እቲ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ድሕሪ ምጅማሩ ብዝሃቦ መግለጺ መሰረት፣ እቲ ሰራዊት፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከጋጥም ንዝኽእል ኩነታት ህጹጽ ምላሽ ንምሃብ ዝህልዎ ዓቕሚ ክፍትሽ’ዩ።

ኣብዚ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ዝሳተፋ ዘለዋ 10 ሃገራት ሱዳን፣ ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲ፣ ሶማልያ፣ ኡጋንዳ፣ ኬንያ፣ ሩዋንዳ፣ ብሩንዲ፣ ሲሸልስን ኮሞሮስን ክኾና እንከለዋ፣ ኣመሪካ፣ ሕብረት ኤውሮጳን ቻይናን ከኣ ከም ተዓዘብቲ ተጸንቢረን ኣለዋ።

ብሪጣንያ፣ ነቲ ሓባራዊ ልምምድ ዝውዕል ወትሃደራዊ ሊጂስቲካዊ ሓገዛት ንምብርካት ምስ ሱዳን ስምምዕ ከምዝኸተምት ኣይርሳዕን።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ከጋጥም ንዝኽእል ከበድቲ ጸጥታዊ ስግኣት ቅልጡፍ ምላሽ ንምሃብ ዝቖመ ድሉይ ሓይሊ፣ ሓደ ካብቲ ሓሙሽተ ዞባታት ኣፍሪቃ ዝወከለ ሓይልታት ኮይኑ፣ ኣባላት ሰራዊት፣ ሓይሊ ፖሊስን ኣብ ምምሕዳራዊ ንጥፈታት ዝተዋፈሩ በርጌስን ዝሓቖፈ’ዩ።

ካብ ዞባውን ኣህጉራውያን ጉዳያት ተነጺላ ዘላ እትርከብ ኤርትራ፣ ኣብዚ ኩለን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝሳተፍኦ ዘለዋ ሓባራዊ ልምምድ ኣይተጸንበረትን።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0