ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ሓይሊ ኣብ የመን ደብዳብ ነፈርቲ ቀጺሉ

ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ሓይሊ ኣብ የመን ደብዳብ ነፈርቲ ቀጺሉ

yemeni kidsኣብ ኩወይ ዝካየድ ዝነበረ ዘተ ሰላም የመን ብዘይ ፍረ ድሕሪ ምብታኑ፣ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ሓይሊ ደብዳብ ነፈርቲ ቀጺሉ።
ኣብቲ ብሰሉስ ዝተኻየደ ደብዳብ፣ ሓያሎ መንበሪ ኣባይቲ ሰላማውያን ሰባት ከምዝዓነወ ጸብጻባት የመልክቱ።
ዕጡቕ ሓይሊ ሑቲ ከም ግብረ ምላሽ ናይቲ ደብዳብ፣ ትማሊ ረቡዕ ክልተ ስካድ ሚሳይል ናብ ስዑዲ ዓረብ ከምዝወንጨፈ ኤ.ቢ.ሲ. ኒውስ ካብቲ ከባቢ ሓቢሩ። እቲ ናብ ዶብ ዝርከባ ከተማታት ኣብሓን ኻሚስ ሙሻይትን ዝተወንጨፈ ሚሳይላት ዘውረዶ ዕንወት ዛጊት ኣይተሓበረን።

ናይቲ ብስዑዲ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሃገራት ዓረብ ቀንዲ ግዳያት ዝኾኑ ዘለዉ የመናውያን ህጻናት ምዃኖም ዩኒሴፍ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብዚ ናይ ሰሉስ ደብዳብ ብውሑዱ ኣርባዕተ ህጻናት ተቐቲሎም። ካብ ወርሒ መጋቢት ናይ 2015 ጀሚሩ ኣብ ዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ፣ ልዕሊ 1,121 ህጻናት ህይወቶም ክስእኑ እንከለዉ፣ ካልኦት 1,650 ከኣ ብኸቢድ ቆሲሎም ከምዘለዉ ጸብጻብ ዩኒሴፍ የመልክት።
ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ኒው ዮርክ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ እቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝካየድ ዘሎ መጉዳእቲ ኣዝዩ ከምዘተሓሳሰቦ፣ እንተኾነ ንጹር ጸብጻብ ናይቲ ወሪዱ ዘሎ ዕንወት ክረክብ ኣሸጋሪ ኮይኑ ከምዘሎ የመልክት።
ኣብ ዕለት 10 ወርሒ ለካቲት ዝተኻየደ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ፣ ንግዚኡ’ውን እንተኾነ ሰብኣዊ ረዲኤት ኣብ ምውፋር ሓጊዙ’ኳ እንተነበረ፣ ብፍላይ ኣብ ከተማታት ማሪብ፣ ኣል ጃዋፍን ጣይዝን ግና ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ከቢድ ጉድኣት ወሪዱ ከምዘሎ’ዩ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝገልጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0