ደ.ሱዳን፣ ም.ፕረዚደንት ሪክ ማቻር ናብ ቦትኡ ክምለስ ብመንግስቲ ዝውሰን ኣይኮነን

ደ.ሱዳን፣ ም.ፕረዚደንት ሪክ ማቻር ናብ ቦትኡ ክምለስ ብመንግስቲ ዝውሰን ኣይኮነን

south sudan sposkpመንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ ምኽትል ፕረዚደንት ነበር ሪክ ማቻር ናብ ቦትኡ ክምለስ፣ ነዚ ሓድሽ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ደንግ ጋይ ክወርድ፣ ከገድዶ ከምዘይክእል ኣፍሊጡ።
ወሃብ ቃል ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ምምላስ ሪክ ማቻር ናብ ስልጣን፣ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ድሌት’ዚ ሓድሽ ምኽትል ፕረዚደንት እዩ ዝውሰን ኢሉ።

ሪክ ማቻር ኣብ ልዕለይ ፈተነ ቅትለት ተኻዪዱ ድሕሪ ምባል፣ ቤት ጽሕፈቱን መንበሪ ገዝኡን ገዲፉ ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተሰዊሩ ከምዘሎ ዝዝከር ኮይኑ፣ ኢጋድን ካልኦት መሻርኽቲ ኣካላትን ድሕሪ ዘሕለፉዎ ውሳኔ፣ ናብ መዝነቱ ክምለስ ምዃኑ’ዩ ተገሊጹ።
ሓድሽ ምኽትል ፕረዚደንት ደንግ ጋይ፣ ንጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ መሪሑ ኣብ ዘተ ሰላም ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምስታፉ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ምእንቲ ሰላም ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ክብል መዝነቱ ገዲፉ ናብ ናይ ቀደም ሚኒስተርነት ቦትኡ ከምዝምለስ’ዩ ሓቢሩ። እንተኾነ ናብ ሃገሩ ምስ ተመልሰ፣ ሪክ ማቻር ምስ መንግስቲ ክሰርሕ እንተወሲኑ፣ ከም ተራ ዜጋ ደኣምበር ናይ ቀደም ስልጣኑ ክረክብ ኣይኮነን ብምባል ተጋራጫዊ ቃል እዩ ሂቡ።
ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር፣ ኢጋድ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምኡ’ውን ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተሰማምዑሉ ውሳኔ ብመትከል ከምዝቕበሎ’ኳ እንተፍለጠ፣ ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ምሽማው ቦታ ምኽትል ፕረዚደንት ከም ጅሆ ሒዙ ንረብሕኡ ክጥቀመሉ ይኽእል’ዩ ክብል ወሃብ ቃል ሪክ ማቻር ምስ ኣልጀዚራ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ ገሊጹ።
ናይ ስልጣን ቁርቁስ ዘለዓዓሎ ኲናት ሓድሕድ ደቡብ ሱዳን፣ ንኣዋርሕ ሃዲኡ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ምኽንያቱ ብዘይተነጸረ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ክልቲኦም ወገናት ዳግማይ ክለዓዓል ዝረአ ዘሎ።
ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓለፈ ወርሒ ጥራይ ልዕሊ 40 ሰላማውያን ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፣ ካብ 35 ሽሕ ዘይውሕድ ህዝቢ ከኣ ካብ ቤት ንብረቱ ተመዛቢሉ ይርከብ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0