“ብስም “ሲኖዶስ” ዝተዘርግሐ ዘይመንፈሳዊ መግለጺ ዘሕዘነ’ዩ” መንበረ ጵጵስና ኣሕጉረ ስብከታት

Radio Erena: 22 July 2019

ብስም “ሲኖዶስ” ዝተዘርግሐ ዘይመንፈሳዊ መግለጺ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ንዝነብሩ ኦርቶዶክሳውያን ኣመንቲ ዘሕዘነ ጉዳይ ምዃኑ መንበረ ጵጵስና ኣሕጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ገሊጹ።

መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፥ ብዛዕባ ጸረ ቤተ ክርስቲያን ጉዕዞ “ሲኖዶስ” ብዝብል ኣርእስቲ ብ19 ሓምለ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ “ሕጋዊ 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ሎሚዶ ጽባሕ ናብ ሓዋርያዊ መንበሮም ይምለሱ እናበለ፣ ህዝቢ ኤርትራ ብሃረርታን ጸሎትን እንናተጸበዮም እንከሎ፥ እቲ ብፖለቲከኛታት ተጎቲቱ ዝኸይድ ጉባኤ ጳጳሳት ዘስደምም፣ ዘይሓላፍነታዊ መግለጺ ምውጽኡ፥ መምዘኒ ሕጊ-ኣልቦ ጉዕዞኡ ዘነጽርን ዳግማይ ነቲ ጸሊም ታሪኹ ዝድርዕን ገበን እዩ” ኢሉ።

ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣሕጉረ ስብከታት ኣብ መግለጺኡ “ሕጊ ዝተሰርዐ፥ ንመፍረስቲ ሕጊ እዩ! (1 ጢሞ 1፡9) ዝብል ሓዋርያ ዕላማ ብምሓዝ፥ ነዚ ብፖለቲከኛታት ተሃንዲሱ ብስም ሲኖዶስን ዝወጸ፡ “ዓቃቤ መንበር መሪጽና ኣሎና፥ 5ይ ፓትርያርክውን ክንሸይም ኢና” ዝበሃል ዘሎ መንፈሳዊ ስምረት ይኹን ሕጋዊ መሰረት ዘይብሉ ናይ ዕንወት ውሳኔ፡ ከም ቀደሙ ኣትሪሩ ከምዝቓውም ኣፍሊጡ።

ኣብ 2007 ዓ.ም.ፈ ፖለቲኸናታትን ልብሲ ክህነት ዝለበሱ ተሓባበርቱን ንመንፈሳዊ ሕጊ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ረጊጾም፡ ንልብሲ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ቀንጢጦም፥ ንኣቡን ዲዮስቆሮስ “4ይ ፓትርያርክ ክትኮኑ መሪጽናኩም” ኢሎም ናይ ዓመጽ ሽመት ከምዝሃብዎም ዘተ ሓሳሰበ እቲ ኣህጉረ ስብከታት ኣምላኽ ተግባር’ቶም ሃንደስቲ ስለፈልጥ፡ እቶም ብዘይ ሕጊ “4ይ ፓትርያርክ ተባሂሎም” ዝተሾሙ ኣቡን ዲዮስቆሮስ ቅውም-ነገር ከይገበሩ፡ ብዘገርም መገዲ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ስንክልና ኣጋጢምዎም ቅድሚ 4ተ ዓመት ካብዛ ዓለም ብሞት ምሕላፎም ኣዘኻኺሩ።

ብሰንኪ እቲ ዘይሕጋዊ ሽመት ኣቡን ዲዮስቆሮስ ድማ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ካብ መንበረ ማርቆስ እስክንድርያ፥ ካብ ሕብረት ኦሬንታልን ማሕበር ኣብያተ-ክርስቲያን ዓለምን ተፈልያ ኣብ ተነጽሎ ትነብር ከምዘላ ኣገንዚቡ።

ሕጂውን ኣብ ክንዲ ብፍቕርን ምኽርን ናብ ዕርቂ ምእታው፥ ብህልኽን ዓመጽን 5ይ ፓትርያርክ ክንሸይም ኢና ኢልካ ምጕያይ ልቦናን ምስትውዓልን ዝጎደሎ፥ ዘይመንፈሳዊ ውሳኔ ምዃኑ ኩሉ ክርድኦ ተላብዮም።

እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ድማ ነዚ ናይ ዕንወት ጉዕዞ ዓገብ ንዝበሉ ምእመናን ይኹኑ ዲያቆናት፥ ካህናት ይኹኑ ገዳማውያን መነኮሳት፥ ማእሰርቲ፥ ዘለፋን ውግዘትን ይበጽሖም ምህላው ብምጥቃስ ኣብዚ ቀረባ እዋን እኳ ሓሙሽተ ኣቦታት መነኮሳት ደብረ ቢዘን ነቲ ዝግበር ዘሎ ጌጋ ርእዮም ዓገብ ስለዝበሉ ከም ቅዱስ እንጦንዮስ ኣብ ማሕዩር ተኣሲሮም ኣለዉ።

መንበረ ጵጵስና ኣሕጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ገሊጹ ኣብ መወዳእታ፣ “ኦርቶዶክሳውያን ውሉደ-ክህነትን፥ ምእመናን ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፥ ነዚ ብፖለቲከኛታት ተሃንዲሱ ዝመጸና ዘሎ ናይ ዕንወትን ናይ ቀቢጸ ተስፋን ገበን፥ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዝግባእ! ዝብል ሕድሪ ሓዋርያት ተኸቲልና፥ ፍርሕን ምፍልላይን ኣወጊድና፥ ኣሰር ክርስቶስን ቡራኬ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስን ክንስዕብ መንፈሳዊ መልእኽትና ናብ ኩሉ ኣማኒ ተዋሕዶ ነመሓላልፍ” ኢሉ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0