ኤርትራ፣ መንግስቲ ብዝሰልዖ መጠን ኣይሸጥኩም ዝተባህሉ ነጋዶ ከብትን ጤለ-በጊዕን ተሃጊሮም

Radio Erena: 22 July 2019

መንግስቲ ብዝሰልዖ መጠን ኣይሸጥኩም ዝተባሃሉ ነጋዶ ከብትን ጤለ-በጊዕን፣ ከምዝተሃገሩ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ጥራይ፣ ኣብ ከባቢ ማይ-ተመናይ ካብ ዝርከብ ዕዳጋ፣ ኣስታት 1000 ዝግመታ ከብትን ጤለ-በጊዕን ብኣባላት ሰራዊት ከምዝተሃገራ እቶም ምንጭታት ኣመልኪቶም።

ምስ ስእነት ባጤራ ናቕፋን ግዝያዊ ምኽፋት ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ዋጋታተን ወሪዱ ዝጸንሐ ከብትን ጤለ-በጊዕን ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ ዘሎ ኩነታት ዕዳጋ እናናሃረ’ዩ ዝመጽእ ዘሎ።

ዋጋ ሓደ ከብቲ ኣስታት 6 ሽሕ ናቕፋ ዝነበረ ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ኣስታት 12 ሽሕ ዓሪጉ ኣሎ።

ድሕሪ ምዕጻው’ቲ ንግዜኡ ተኸፊቱ ዝነበረ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ኤርትራ እናነሃረ ንዝመጽእ ዘሎ ዋጋታት መግብን ሃለኽቲ ነገራትን ንምቑጽጻር፣ መንግስቲ ኤርትራ ዋጋታት ጥሪት ዝውስን ምልክታ፣ ብመንገዲ ምምሕዳር ዞባ ማእከል፣ ምዝርግሑ ኣይርሳዕን።

ብመሰረት እቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይ ዝወጸ ዋጋታት፣ በጊዕ ክሳብ 1350 ናቕፋ፣ ጤል ክሳብ 1050 ናቕፋ፣ ደርሆ ክሳብ 105 ናቕፋ፣ ንሓንቲ እንቋቁሖ ድማ ክሳብ 2 ናቕፋ ክሸይጥ ዝውስን’ዩ።

ጎኒ ጎኒ’ዚ’ውን ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ኤርትራ ጽዑቕ ግፋ ይካየድ ከምዘሎ ኣብ ናይ ሰንበት 21 ሓምለ ፈነወና ተቓሊሑ’ዩ።
=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0