ብስለያ ዝተኸሰሱ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ንማእሰርቲ ተፈሪዶም

ብስለያ ዝተኸሰሱ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ንማእሰርቲ ተፈሪዶም

Radio Erena: 18 July 2016

High c

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ወትሃደራዊ ምስጢራት ብምስግጋር ዝኸሰሶም ሓሙሽተ ኤርትራውያንን ኣርባዕተ ዜጋታቱን ካብ 4 ዓመትን መንፈቕን ክሳብ 3 ዓመት ክእሰሩ ተፈሪዶም።

እቶም ንማእሰርቲ ተፈሪዶም ዘለዎ 9 ሰባት፣ ካብ 2004 ክሳብ 2006 ወትሃደራዊ ሓበሬታታት ናብ መንግስቲ ኤርትራ ከመሓላልፉ ጸኒሆም ዝብል ክሲ ተመስሪትሎም፣ ጉዳዮም ብቤት ፍርዲ ክርአ ከምዝጸንሐ ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ሓበሬታ ይገልጽ።

ኢትዮጵያ፣ ብተመሳሳሊ ክሲ ዝቐየደቶም ሓያሎ ዜጋታታ ተደጋጋሚ እዋን ናብ ፍርዲ ከተቕርብ ምጽንሓ ዝፍለጥ’ዩ።

 

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0