“ወርሓዊ ደሞዝ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ካብ 130 ክሳብ 300 ዶላር ክብ ኢሉ፣” ኣቶ ሓጎስ ገብረህይወት

“ወርሓዊ ደሞዝ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ካብ 130 ክሳብ 300 ዶላር ክብ ኢሉ፣” ኣቶ ሓጎስ ገብረህይወት

Radio Erena: 18 July 2016

Hagos

ወርሓዊ ደሞዝ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብ 130 ክሳብ 300 ዶላር ክብ ከምዝበለ ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጎስ ገብረህይወት ገሊጹ።

እቲ በዓል ስልጣን ህግደፍ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፣ እቲ ንወርሒ 50 ዶላር ዝነበረ ክፍሊት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ከከም ደረጃ ትምህርቶም ካብ 130 ክሳብ 300 ዶላር ክብ ከምዝበለ ሓቢሩ።

እንተኾነ ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ መግለጺ ‘ቲ ሓላፉ ቁጠባ ህግደፍ፣ “ላግጺ’ዩ” ክብሉ መሊሶም።

 

ቢቢሲ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ሚኒስተራት መንግስቲ ኤርትራ ወርሓዊ 200 ዶላርን ተወሳኺ ኣበልን ጥራይ ከምዝኽፈሉ ክገልጹ እንከለዉ፣ በንጻሩ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብዚ እዋን’ዚ ወርሓዊ ክሳብ 300 ዶላር’ዮም ዝኽፈሉ ምባሉ፣ ካብ “ዳእላ” ሓሊፉ ካልእ ወልሓደ ክኸውን ከምዘይክእል እቶም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣረዲኦም።

መንግስቲ ወሰኽ ደሞዝ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ከምዘተግበረ ይገልጽ እኳ እንተሎ፣ ኣብ ውሱን ቦታታት እንተዘይኮይኑ፣ ኣብቲ ዝበዝሐ ከምዘይተተግበረ ዝፍለጥ’ዩ።

እቲ መንግስቲ፣ “ምስ ባርነት ዝጽብጸብ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብልይ ምዝመዛ ሃገራዊ ኣገልግልት ይፍጽም ኣሎ፣” ዝብል ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ንዝወርዶ ዘሎ ክሲ ንምኽዋል’ዩ ክሳብ 5000 ንወርሒ ወሰኽ ደሞዝ ከምዝገበረ ዝገልጽ ዘሎ።

በንጻር እዚ ግና፣ ህዝቢ ብዋሕዲ ባጤራን ናህሪ ዋጋታትን ኣብ ከቢድ ምረት ከምዝርከብ ወግሐ ጸብሐ ዝግለጽ ዘሎ ሓቒ’ዩ።

ሚኒስተር ቁጠባ ኤርትራ ኣቶ ብርሃነ ሃብተማርያም ከኣ ብዛዕባ ዋሕዲ ባጤራ ናቕፋን ዝርአ ዘሎ ናህሪ ዋጋታትን ተሓቲቱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ እዋን ምቕያር ባጤራ 40 ሚእታዊ ናይቲ ገንዘብ ከምዘይተመልሰን እዚ ድማ ኣብ ምውሓድ እቲ ባጤራ ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዝፈጠረን ኣረዲኡ።

“ባንክታት ኤርትራ ጥርሑ ስለዝተረፈ፣ ባጤራ ብምቕያር ክንእክቦ ፈቲና፣” ዝበለ እቲ ሚኒስተር፣ እንተኾነ እቲ 40 ሚእታዊ ናይቲ ባጤራ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝተወነነ ብምንባሩ ከምዘይተመልሰ’ዩ ገሊጹ።

ምስ ባርነት ዝጽብጸብ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ንመንእሰያት ኤርትራ ናብ ስደት ከምዝውሕዙ ጌርዎም ጥራይ ከይኣክል፣ እቲ ናይ ስደት መስርሕ’ውን ንቁጠባዊ ጽላታት እታ ሃገር ናብ ዝተሓተ ደረጅኡ ኣውዲቖ ይርከብ።

ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፣ ብምዕባለ ዓቕሚ ሰብ ኤርትራ ምስተን ዝተሓታ ሰለስተ ሃገራት ዓለም ከምእትስራዕ እቲ ናይ ቢቢሲ ጸብጻብ ጠቒሱ ኣሎ።

ዲፕሎማስያዊ ተነጽሎ ኣጋጢምዎ ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ፣ ሓድሽ ናይ ዲፕሎማሲ ስትራቴጂ ብምትእትታው፣ ንዓመታት ተዓቢሶም ዝጸንሑ ሰበ ስልጣናቱ ንማዕከናት ዜና መግለጺታት ክህቡን ናይ ወጻኢ ጋዜጠኛታት ከኣ ናብ ኤርትራ ክኣትዉን ይፈቕድ ምህላዉ ዝፍለጥ’ዩ።

ይኹን’ምበር ሰበ ስልጣናቱ ዝህብዎ ዘለዉ መግለጺታት ንሓድሕዱ ዝጋጮን ካብ ሓቒ ዝረሓቐን ምዃኑ ተዓዘብቲ የመልክቱ።

=============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0