ብርጣንያ ስደተኛታት ንምስጓግ ዘኽእላ ሓድሽ ሕጊ ኣውጺኣ

Radio Erena: 08 March 2023

ብርጣንያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ባሕሪ ኣቋሪጾም ናብታ ሃገር ናብ ዝኣትዉ ስደተኛታት ዝቐንዐ ሓድሽ ሕጊ ኣውጺኣ።

ብሰሉስ 7 መጋቢት፡ ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ናይታ ሃገር ስኤላ ብራቨርማን ንባይቶ’ታ ሃገር ኣብ ዘቕረበቶ መብርሂ፡ስርዓተ ዑቕባ ናይታ ሃገር ተጨናኒቑ ከም ዘሎን እቲ ሕጊ ዘምጽኦ ለውጢ “ነተን ዓሰርተታት ኣሽሓት ስደተኛታት ናብ ገማግምና ዘምጽኣ ዘለዋ ጀላቡ ደው ዘብል’ዩ” ኢላ።

ኣብ ትሕቲ’ዚ ሓድሽ ሕጊ፡ናብ ብርጣንያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣትዉ ስደተኛታት ክእለዩን ናብታ ሃገር ካብ ምምላስ ክኽልከሉን እዮም።

እንተኾነ ዝዓበየ ተቓዋሚ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ዓቃባዊ ሰልፊ ዝኾነ ሰልፊ ዕዮ፡እቲ ስጉምቲ፤ ድሮ ኣብ ዕግርግር ኣትዩ ንዘሎ ኣሰራርሓ፤ ዘብእስ ሓደገኛ ውሳነ እዩ ክብል ተቓውምኡ ገሊጹ።

እቲ ሓድሽ ሕጊ፡ሚንስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ብርጣንያ፤ ስደተኛታት ክኣስርን ናብ ከም ሩዋንዳ ዝኣመሰላ ሃገራት ከስግርን ከኽእሎ፤

ስደተኛታት ናብታ ሃገር ካብ ዝኣተውሉ ኣብ ዘሎ 28 መዓልታት ብዋሕስ ከይፍትሑን ተወሳኺ ፍርዳዊ መስርሕ ከይሓቱን ክኽልከሉ፤

ትሕቲ 18 ዓመት፡ብምኽንያት ጥዕና ክበሩ ዘይክእሉን፡ካብ ብርጣንያ ምስ ዝስጎጉ ዓቢ ሓደጋ ክበጽሖም ዝኽእልን ንግዚኡ ኣብታ ሃገር ክጸንሑ፤

ካብዚ ዝተረፉ ኩሎም ካብታ ሃገር ድሕሪ ምስጓጎም ብርሕቀት ሕቶ ዑቕብኦም ከቕርቡ፤

ካብ ዓባይ ብርጣንያ በዚ መስርሕ ዝተባረሩ ኩሎም ናብታ ሃገር ንመጻኢ ዳግም ከይምለሱን ሕቶ ዜግነት ከየቕርቡን ክኽልከሉ፤

ዝብል ነጥብታት ዝሓቖፈ ክኸውን እንከሎ፡ካብ ሰሉስ 7 መጋቢት 2023 ናብታ ሃገር ንዝኣትዉ ስደተኛታት ኩሎም ክምልከት እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 45ሽሕ ስደተኛታት ብመንገዲ እቲ ኢንግሊሽ ቻነል ተባሂሉ ዝፍለጥ መትረብ ናብ ዓባይ ብርጣንያ ከም ዝኣተዉ ይዝከር።

ነዚ ስዒቡ፡ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ሰለስተ ቀዳማይ ሚንስተራት ዝቐያየረት ብርጣንያ፡ከም ምምላስ ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ብምውሳድ፡ንዋሕዚ ስደተኛታት ክትዓግት ትፍትን’ኳ እንተላ፡ክሳብ ሕጂ ዘዕግባ ውጽኢት ከም ዘይረኸበት እዩ ዝግለጽ።

ካብዚ ብተወሳኺ መንግስቲ ብርጣንያ ዝወስዶም ዘሎ ስጉምትታት ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝተፈላለዩ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ብርቱዕ ተቓውሞ ክገጥሞ ምጽንሑ ኣይርሳዕን።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0