105 ስደተኛታት ዝሓዘት ጃልባ ድሒና

Radio Erena: 08 March 2023

ኤርትራውያን ዝርከብዎም 105 ስደተኛታት ዝሓዘት ጃልባ፡ብሰሉስ 7 መጋቢት ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ፡ካብ ሊብያ ተበጊሳ ናብ ጣልያን ኣብ እተምርሓሉ ዝነበረት ግዜ፡ብሓገዝ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ኢጣልያ ድሒና።

እታ ሓንቲ ነብሰጾር እትርከበን 17 ደቂ ኣንስትዮን 29 ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ኣሳፊራ ምንባራ ዝተነግረላ ጃልባ፡ኣብ ማእከል ባሕሪ ሞተር ኣበላሽያ ደው ኢላ ምንባራን፡ቅልጡፍ ረድኤት እንተዘይትረክብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ኣንጸላልይዋ ምንባሩን ተሓቢሩ።

ኤርትራውያን ዝርከብዎም ዝተፈላለዩ ስደተኛታት፡ንማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጾም ናብ ኤውሮጳ ንምምጻእ በዚ ሓደገኛ መንገዲ ከም ዝሓልፉን፡በብግዚኡ ኣሽሓት ስደተኛታት ግዳይ ሞት ከም ዝኾኑን ይግለጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ጥራይ 70 ስደተኛታት ኣብዚ ጉዕዞ ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ ጸብጻባት ይምስክሩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0