ብሪጣንያ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ናብ ሩዋንዳ ክትሰድድ ንዝገበረቶ ስምምዕ ዝቃወም ወግዓዊ ክሲ ተመስሪቱ

Radio Erena: 15 May 2022
ብሪጣንያ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ናብ ሩዋንዳ ክትሰድድ ንዝገበረቶ ስምምዕ ዝቃወም ወግዓዊ ክሲ ተመስሪቱ።
እቲ ብ10 ግንቦት ዝቐረበ ክሲ፣ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ብሪጣንያ ወይ ሆም ኦፊስ፣ ንኣህጉራዊ ሕጊን፣ ንስምምዕ ምኽባር መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ጥሒሱ ዝብል ከምዝኾነ፣ ዘ ጋርድያን ኣመልኪቱ።
ብሪጣንያ፣ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ’ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስዳ ምዕዳማ፣ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘለዎ ተቓውሞ ኣስሚዑ እዩ።
ዘ ጋርድያን ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ነቲ መደብ ዘተግበረት ሓላፊት ጉዳያት ብሪጣንያ ፕሪቲ ፓተል፣ ዝርዝር ትሕዝቶ’ቲ መደብ ንህዝቢ ክፉት ክትገብር ተሓቲታ ክሳብ ሕጂ ብዘይምትግባራ፣ እቲ ምስጓግ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ፣ ካልኦት ናብ ብሪጣንያ ንኸይመጹ ተስፋ ንምቑራጽ ተባሂሉ ዝተኣልመ ተንኮል’ዩ ክብሉ ጠበቓታት’ታ ሃገር ክገልጹዎ ምጽንሖም ኣመልኪቱ።
ሓያሎ ካብቶም ክስጎጉ መጠንቀቕታ ተዋሂቡዎም ዘሎ ኣፍሪቃውያን ጥራይ ዘይኮኑ፣ ተወላዶ ቬትናም፣ ሶርያ፣ ኢራን፣ ኣልባንያን ካልኦትን ስለዝርከብዎም፣ ሩዋንዳ ኣብ ዝኣትዉሉ እንታይ ዓይነት መደባት ምጥያስ ተዳልዩሎም ኣሎ ንጹር ኣይኮነን።
ነቲ ክሲ ኣቕሪቡ ዘሎ ‘ኢንስታሎው’ ዝተባህለ ትካል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ መደብ ምጥራዝ ኣብ ወርሒ ግንቦት ክካየድ ተመዲቡ ኔሩ ክሳብ ሕጂ ዘይምትግባሩ፣ ሆም ኦፊስ ከምዚ ዓይነት ሕጋዊ ሳዕቤን ዘኸትለሉ ኣይመሰሎን ክብል ገሊጹ።
ሆም ኦፊስ ብሪጣንያ ነቲ ናብ ሩዋንዳ ናይ ምጥራዝ መደብ፣ ሕጋዊ መስርሕ ተኸቲሉ የካዪዶ ከምዘሎ’ኳ እንተገለጸ፣ እዚ ቀሪቡ ዘሎ ክሲ ክቕጽል እንተተወሲኑ፣ እቲ መንግስታዊ ትካልን ሓላፊቱ ፕሪቲ ፓተልን ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ክግደዱ እዮም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0