ሶማል፣ ሓድሽ ፕረዚደንት ተመሪጹ

Radio Erena: 15 May 2022

328 ኣባላት ፓርላማ ሶማል፣ ሎሚ ሰንበት 15 ግንቦት ኣብ ዘካየድዎ ሰለስተ ዙር ዘካተተ ምርጫ፣ ሓድሽ ፕረዚደንት መሪጾም።

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ፕረዚደንት ዝነበረ፣ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ እዋናዊ ፕረዚደንት ንዘሎ መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ፣ ኣብ ሳልሳይ ዙርያ ምርጫ፣ ብናይ ድምጺ ብልጫ ስዒሩ’ዩ፣ ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማል ክኸውን ተመሪጹ ዘሎ።

ኣብ ካልኣይ ዙርያ ምርጫ፣ ሓሰን ሸኽ ማሕሙ 110፣ ፕረዚደንት መሓመድ ፋርማጆ ድማ 83 ናይ ድምጺ ብምርካብ’ዮም ናብ ሳልሳይ ዙር ተሰጋጊሮም።

ፕረዚደንት ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ ዝነበረ ኣሕመድ ደኒን ቀዳማይ ሚኒስተር ሑሰን ሮብለን ድማ ሳልሳይን ራብዓይን ደረጃ ብምሓዝ ናብ ሳልሳይ ዙር ከይሰገሩ ተገሊፎም።

ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተደናግዩ፣ ሎሚ ሰንበት 15 ግንቦት ክካየድ ዝወዐለ ምርጫ ሶማል፣ ኣብ ቀዳማይ ዙርያ፣ ሓንቲ ጓለነስተይቲ እትርከቦም 39 ሕጹያት ‘ዮም ንውድድር ቀሪቦም።

ሶማል፣ ሓድሽ ፕረዚደንት ምምራጹ፣ ነቲ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ወጥሪ ከህድእ ትጽቢት ይንበረሉ።

ሓድሽ ተመሪጹ ዘሎ ፕረዚደንት ሶማል፣ እታ ሃገር ገጢሙዋ ዘሎ ናይ ደርቂ ኩነታትን ጸጥታዊ ስግኣት ኣልሸባብን ዝዓበዩ ብድሆታቱ ክኾኑ’ዮም።

እቲ ፕረዚደንት፣ ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ፖሊሲ ዝምድና ሃገሩ ምስ ህሉው ኩነታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ፣ ኵናት ትግራይን ኢትዮጵያን ከመይ ክሕዞ’ዩ፣ ብዙሓት ብሃንቀውታ ዝጽበይዎ ዛዕባ’ዩ።
================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0