ብሪጣንያ፣ ካብ ኢራን ተበጊሳ ናብ የመን ተምርሕ ዝነበረት፣ ኣጽዋር ዝጸዓነት መርከብ ሒዛ

Radio Erena: 03 March 2023

ብሪጣንያ፣ ናብ የመን ተምርሕ ዝነበረት ኣጽዋር ዝጸዓነት መርከብ ኢራን፣ ከምዝሓዘት ኣፍሊጣ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ብሪጣንያ ብሓሙስ 2 መጋቢት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ እታ ካብ ኢራን ከምዝተበገሰት ዝገለጻ መርከብ፣ ጸረ ታንኪ ሚሳይላትን መቀያየሪ ኣቑሑት ወተሃደራዊ ኣጽዋርን ጽዒና ከምዝነበረት ሓቢሩ።

ኣብ መንጎ ኣል ሑቲን መንግስቲ የመንን ኲናት ድሕሪ ምጅማሩ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ የመን ኣጽዋር ከይኣቱ ማዕቀብ ድሕሪ ምግባሩ ጥራይ፣ ፈረንሳ፣ ብሪጣንያን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን፣ ካብ ተሀራን ተበጊሰን ናብ የመን ዘምርሓ ዝነበራ ኣጽዋር ዝጸዓና መራኽብ፣ ብተደጋጋሚ ሒዘን እየን።

እታ ብዕለት 23 ለካቲት ዝተታሕዘት መርከብ፣ ብሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ምስ ተለለየት፣ ብቕጽበት ናብ ክሊ ማይ ኢራን ክትምለስ ፈተነ ኣካዪዳ ምንባራ፣ እንተኾነ ግን፣ ሓይሊ ባሕሪ ብሪጣንያ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከእትዋ ከምዝኸኣለን እቲ መግለጺ የመልክት።

ምኽትል ኣድሚራል ሓይሊ ባሕሪ ብሪጣንያ፣ ‘ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ፣ ሕጂ ንሻብዓይ ግዜ ኣጽዋር ዝጸዓና መራኽብ ኢራን ሒዝና’ ድሕሪ ምባል፣ ‘ኢራን፣ ስርሓት ሩስያ ዝኾነ ሚሳይላትን ንኣሽቱ ኣጽዋርን ናብ የመን ከተእቱ ብተደጋጋሚ ፈተነታት ትገብር’ያ’ ክብል ከሲሱ።

ኢራን ንዕጡቓት ሓይልታት ሑቲ ትድግፍ ከምዘላ ብሃገራት ምዕራብ ተደጋጋሚ ክስታት ክቐርበላ ዝጸንሐ ኮይኑ፣ እታ ሃገር ናይ ኣሉታ ምላሽ እያ ክትህበሉ ጸኒሓ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0