ኣብ ትግራይ ግዝያዊ ምምሕዳር ንምምስራት ዝተገብረ ኮንፍረንስ ተዛዚሙ

Radio Erena: 05 March 2023

ኣብ ትግራይ ቅዋሚ ክልላዊ መንግስቲ ክሳብ ዝምረጽ፡ ነቲ ክልል ብግዝያውነት ዝመርሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ንምምስራት ዘኽእል ኮንፍረንስ ተኻይዱ።

ኣብቲ ብረቡዕ 1 መጋቢት ጀሚሩ ን 2ተ መዓልታት ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ወከልቲ ሓይልታት ትግራይ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ውዳበታትን ካብ ሕብረተሰብ ዝተዋጽኡ ዕዱማትን ተረኺቦም ኔሮም።
ኣብቲ ዝተገብረ ኮንፈረንስ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ሽዱሽተ ወርሒ ክሳብ 1 ዓመት ዝዕድሚኡ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ክቐውም ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ እንከሎ፡ ንደረት ስልጣኑ፡ ዕማማቱን ተልእኹኡን ዝምልከት ሰነዳት ብምጽዳቕ፡ 11 ነጥብታት ዝሓዘ መግለጺ ብምውጻእ ኣኼብኡ ዛዚሙ።

ኣብ ክልል ትግራይ ንክልተ ዓመታት ዝኣክል፡ ኤርትራ ዝተሳተፈትሉ ኲናት ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ህውሓት ከም ዝተኻየደ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እቲ ኲናት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ፕሪቶርያ ብዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ከም ዘኽተመ ይዝከር።

ነዚ ስዒቡ ክልቲኦም ተጻረርቲ ወገናት፡ ንትግባረ እቲ ስምምዕ ዝምልከት ዝተፈላለዩ ስጉምታት ከም ዝወሰዱን፡ እዚ ምቛም ግዚያዊ መንግስቲ መቐጸልታ ትግባረ ናይቲ ስምምዕ ምዃኑን ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0