ብምስግጋርን መሸጣን ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ተኸሲሱ ን10 ዓመታት ክእሰር ዝተፈርደ ሱዳናዊ ካብ ቤት ማእሰርቲ ሃዲሙ

ብምስግጋርን መሸጣን ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ተኸሲሱ ን10 ዓመታት ክእሰር ዝተፈርደ ሱዳናዊ ካብ ቤት ማእሰርቲ ሃዲሙ

Radio Erena : 13 October, 2014

Rash

ብዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ተኸሲሱ ኣብ ከሰላ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረ ሱዳናዊ፣ ከምዝሃደመ ምንጭታት ዜና ሓቢሮም።

እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ ሱዳናዊ፣ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ተኸሲሱ፣ ን10 ዓመታት ክእሰር እኳ እንተተበየነሉ፣ ኣብ ከሰላ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ሓደ ወርሒ ከይመልአ’ዩ ብሰኑይ 6 ጥቕምቲ ከምዝሃደመ ዝግለጽ ዘሎ።

እቲ ካብ ዓሌት ራሻይዳ ምዃኑ ዝተገልጸ ሱዳናዊ፣ 10 ዓመት ክእሰር ተፈሪዱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከሰላ ኣብ ዝነበረሉ፣ ብመኪና ንሕክምና ናብ ሆስፒታል እናምርሐ’ዩ ብረት ብዝዓጠቑ ኣባላት ራሻይዳ ተሓጊዙ ከምልጥ ዝኸኣለ።

 

ምንጭታት ዜና ካብ ከሰላ ንናይ ዓይኒ መሰኻክር ብምጥቃስ ብዘቕረብዎ ሓበሬታ መሰረት፣ ነቲ እሱር ዝጸዓነተ ላንድክሩዘር ዝዓይነታ መኪና ብፖሊስ ተሰንያ ናብ ሆስፒታል እናምርሐት ብዕጡቃት ድሕሪ ምኽባባ፣ ምስ ፖሊስ ሓጺር ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ ተኻይዱ’ዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብታ መበገሲት ምስግጋርን መሻጥን ደቂ ሰብ ኮይና ዘላ ሱዳን፣ ብዛዕባ’ዚ መላእ ዓለም ዘዛርብ ዘሎ ኣሻቓሊ ጉዳይ ብዝምልከት ዞባዊ ዋዕላ ንምክያድ ውጥን ከምዘሎ ይግለጽ።

ኣብዚ ዋዕላ’ዚ እታ ዝበዝሑ ዜጋታታ ግዳያት እዚ ምስግጋርን መሸጣን ደቂ ሰብ ኮይና ዘላ ኤርትራ ክትሳተፍ ምዃና ተሓቢሩ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0