ጅቡቲ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣትዮም ንዝበለቶም 187 ኢትዮጵያ መሊሳ

ጅቡቲ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣትዮም ንዝበለቶም 187 ኢትዮጵያ መሊሳ

Radio Erena : 13 October, 2014

ethi in Dj

ጅቡቲ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዶብ ሰጊሮም ዝኣተዉ 187 ኢትዮጵያውያን፣ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝመለሰቶም ተገሊጹ።

እቶም ኢትዮጵያውያን፣ ኣብ ሚኒብስ ዝዓይነተን መካይን ተጻዒኖም ናብ ገማግም ባሕሪ እናመርሑ’ዮም 65 ኪሎሜተር ካብ ርእሰ ከተማ ጅቡቲ ርሒቃ ኣብ እትርከብ ዓርታ ኣብ ዝተባህለት ከተማ ብፖሊስ ጅቡቲ ተታሒዞም።

ነቶም ስደተኛታት ኣብ ምስግጋር ዝነበሩ ዜጋታት ጅቡቲ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ጉዳዮም ሕጋዊ መስርሕ ክጅምር እንከሎ፣ እቶም 187 ኢትዮጵያውያን ግና ብኡ ንብኡ ናብ ዕእዶም ከምዝተፋነዉ’ዮም ፖሊስ እታ ሃገር ዘመልክቱ።

 

እቶም ኣብ ጅቡቲ ዝተታሕዙ ኢትዮጵያውያን ቀይሕ ባሕሪ ብምስንጣቕ ናብ የመን ብኡ ኣቢሎም ከኣ ናብ ስዑዲ ዓረብ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንምእታው ዝሓለኑ ምንባሮም’ዩ ተገሊጹ።

ጅቡቲ፣ ናብታ ሃገር ብዘይጋዊ መንገዲ ንዝኣተዉ ዜጋታት ኢትዮጵያን ሶማልን ጉዳያቶም ቅልጡፍ ግብረመልሲ ክትህበሉ እንከላ፣ ንጉዳይ ኤርትራውያን ግና ብዓይኒ ጸጥታዊ ስግኣት እናጠመት ንነዊሕ እዋን ኣብ ቀይዲ ከምእተጽንሖም’ዩ ዝግለጽ።

እታ ሃገር ንኣስታት ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ቀይዲ ዘጽንሓቶም ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ናብ መዓስከር ስደተኛታት ከምዘሰጋገሮም ኣይርሳዕን።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0