ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሩስያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሩስያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ

Radio Erena: 29 June 2017

Rus Eth

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሩስያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ።

እቲ ሚኒስተር ብ26 ሰነ ናብ ሞስኮ ድሕሪ ምእታዉ፣ ምስ ሩስያዊ መዘንኡ ሰርጌ ላቭሮቭ ብምርኻብ፣ ብዛዕባ ህልዉ ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣበርክቶ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባን ተመያይጦም።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሩስያን ዝጸንሐ ዝምድና ንምድልዳሉ ብዝልዓለ ክሰርሑ ከምዝተሰማምዑ ከኣ ካብ ሞስኮ ዝተፈነወ ሓበሬታ የመልክት።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኢትዮጵያ ብዘለዋ ሚዛናውን ሓላፍነታውን ፖሊሲ፣ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ዞባዊ ጉዳያትን ንዘለዋ ኣበርክቶ ንኢዱ።

ናይ 2017/18 ተለዋጢት ኣባል ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ክትከውን ዝኸኣለት ከኣ ብዘለዋ ናጻ ፖሊሲ ምዃኑ እቲ ሩስያዊ ሚኒስተር ገሊጹ።

ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት’ዚ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ሩስያ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፣ ሩስያ ነቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ግርጭታት ንምፍታሕ ክትዋሳእ ቅርብቲ ከምዘላ ሚኒስተር ላቭሮቭ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0