ኡጋንዳ፣ 4310 ኤርትራውያን ስደተኛታት ምህላዎም ተሓቢሩ

ኡጋንዳ፣ 4310 ኤርትራውያን ስደተኛታት ምህላዎም ተሓቢሩ

Radio Erena: 28 June 2017

Kampala

ኣብ ኡጋንዳ፣ 4310 ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለዉ ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ቀሪቡ ዘሎ ጸብጻብ፣ ክሳብ ግንቦት 2017 ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ ኣብ ኡጋንዳ ናይ ዝርከቡ ብዝሒ ስደተኛታት ብጠቕላል ኣስታት1.3 ሚልዮን ኮይኑ እቶም ኣስታት ሓደ ሚልዮን ካብዚኣቶም ዜጋታት ደቡብ ሱዳን’ዮም።

ኣስታት 200 ሽሕ ዝተገምገሙ ዜጋታት ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ፣ ብብዝሒ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ክስርዑ እንከለው፣ ብሳልሳይ ደረጃ ከኣ ብ34 ሽሕ ዜጋታት ብሩንድ’ዮም።

ዜጋታት ሶማል ብ25,321፣ ዜጋታት ሩዋንዳ ብ13,907 ራብዓይን ሓሙሻይን ደረጃታት ክሕዙ እንከለዉ፣ 4310 ዝብዝሖም ስደተኛታት ኤርትራ ከኣ ኣብ ሻድሻይ ደረጃ ይርከቡ።

ንኤርትራ ስዒበን ብብዝሒ ስደተኛታት፣ ኣከታተለን ኣብ ሻብዓይን ሻሙናይ ደረጃ ዝርከባ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኮይነን፣ ነፍሲ ወከፈን 2549ን 1798ን ብዝሒ ስደተኛታት ኣብ ኡጋንዳ ኣለወን።

እዚ ብላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ቀሪቡ ዘሎ ብዝሒ ስደተኛታት፣ ነቶም ብናይ ሃገሮም ፓስፖርት ዝንቀሳቀሱ፣ ገና ናይ ስደተኛታት መንበሪ ፍቓድ ዘይሓዙ ሓተቲ ዑቕባን ብዘይሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዝነብሩን ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይኮነን።

መብዛሕቶም እዞም ኣብ ኡጋንዳ፣ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ኣብ ከተማ ካምፓላ ኣብ ንግዳዊ ንጥፈታት ተዋፊሮም ህይወቶም ዝመርሑ’ዮም።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0