ብሚኒስተር ምክልኻል ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ቱርኪ ናብ ሶማል በጺሑ

ብሚኒስተር ምክልኻል ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ቱርኪ ናብ ሶማል በጺሑ

Radio Erena: 09 November 2018

Turkey Somalia

ብሚኒስተር ምክልኻል ሑሉሲ ኣካር ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ቱርኪ ናብ ሶማል በጺሑ።

እቲ ልኡኽ ኣብ ሱዳን ተመሳሳሊ ምብጻሕ ብምክያድ፣ ኣብ ጉዳያት ምስፋሕ ወደብ ስዋኪንን ምቛም ወትሃደራዊ መዓስከርን ብዝምልከት ምስ ፕረዚንት ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ድሕሪ ምዝርራብ’ዩ ትማሊ ሓሙስ 8 ሕዳር ናብ ሞቛድሾ ኣምሪሑ።

ሚኒስተር ሑሊሲ ኣካር ኣብ ናይ ሶማል ዑደት፣ ኣብ ወትሃደራዊ ዝምድና ሶማልን ቱርኪን ብምትኳር ምስ ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱሂ መሓመድ ተመያይጡ።

ብዘይካ’ዚ ንሱ ኣብ ሞቛድሾ ኣብ ዝጸንሓሉ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል ሓሰን ዓሊ ኻይረን ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሶማል ገነራል ዳሂር ዓደን ዒልምን ኣብ ዝተፈላለዩ ወትሃደራዊ ጉዳያት ተመኻኺሩ።

ቱርኪ ምስ ሱዳንን ሶማልን እትምስርቶ ዘላ ወትህደራዊ ዝምድና፣ መቀጸልታ ናይቲ ናይ ቀጠር ድሌታት ኣብቲ ዞባ ምዃኑ ተንተንቲ የረድኡ።

ሱዳንን ሶማልን ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ንዝተገብረለን ጸቕጢ ብምንጻግ፣ ምስ ቀጠር ዘለወን ዝምድና ከምዘይበትካ ምርግጋጸን ይዝከር።

ቱርኪ፣ብሓገዝ ቀጠር ኣብ ሶማል ወትሃደራዊ መዓስከር ክትከፍት እንከላ፣ ኣብ ሱዳን ድማ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዝርከብ ወደብ ሱዋኪን ንምስፍሑን ሓድሽ ወትሃደራዊ መዓስከር ንምቛምን ትሰርሕ ከምዘላ ይፍለጥ።

======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0