ሩስያን ጅቡቲን ኣብ ጉዳይ ዝምድና ምስ ኤርትራን ምልዓል እገዳን ተዘራሪበን

ሩስያን ጅቡቲን ኣብ ጉዳይ ዝምድና ምስ ኤርትራን ምልዓል እገዳን ተዘራሪበን

Radio Erena: 09 November 2018

Bogadnov

ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሚኻኤል ቦጋድኖቭ፣ ንኣምባሳደር ጅቡቲ ኣብ ሩስያ መሓመድ ካሚል ናብ ቤት ጽሕፈቱ ብምጽዋዕ ብዛዕባ ሓድሽ ምዕባለታት ሰላም ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ምልዓል እገዳ ኤርትራን ብዝምልክተ ከምዘዘራረቦ ዲፕሎማስያውይን ምንጭታት ሓቢሮም።

ብምክትል ሚኒስተር ሚኻኤል ቦጋድኖቭ ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ሩስያ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ኤርትራ ኣብ ዝበጽሓሉ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብምርኻብ ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳያት ተዘራሪቡ’ዩ።

ቀዋሚት ኣባል ባይቶ ጸጥታ ዝኾነት ሩስያ፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነበራ ወትሃደራውይን ፖለቲካውን ጽልዋታት ዳግም ንምሕዳሱ ኣብ እትንቀሳቀሰሉ ዘላ እዋን፣ ሩስያ ምስ ኤርትራ ዝምድንኣ ንምሕያል፣ ካብ 2009 ኣትሒዙ ዝተነብረ እገዳ ክልዓል ክትጽውዕ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቲ ልኡኽ ምሕታቱ ይዝከር።

ከም መቐጸልታ ናይዚ ድማ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ብሰሉ 7 ሕዳር ንኣምባሳደር ጅቡቲ ኣብ ሩስያ ናብ ሞስኮ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ብምዕዳም ኣብ ተመሳሳሊ ነጥቢ ዘትዩ።

ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ስምምዕ ሰላም ካብ ዝቐረባሉ እዋን፣ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ክልዓል ክትጽውዕ እንከላ፣ ሶማል’ውን ብናይ ኢትዮጵያ ጽልዋ ተመሳሳሊ ጻውዒት ምቕራባ ይዝከር።

ጅቡቲ’ውን ምስ ኤርትራ ዝነበራ ግርጭታት ብምእላይ እቲ እገዳ ክልዓል ጻውዒት ክትገብር ብኢትዮጵያን ስዑዲ ዓረብ ድፍኢታት ክግበረላ’ዩ አኒሑ።

ይኹን’ምበር ጅቡቲ፣ ሃለዋት ናይቶም ኣብ ኤርትራ ዝጠፍኡ ምሩዃታን ዶባዊ ምስሕሓብን መፍትሒ ከይተረኽቦ፣ መርገጺኣ ከምዘይትቕይር’ያ ክትገልጽ ጸኒሓ።

ይኹን’ምበር ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ንትሽዓተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣጽኒዕዎ ዝጸንሐ እገዳ፣ ን14 ሕዳር ኣብ ዝህቦ ውሳኔ፣ ምሉእ ብምሉእ ከልዕሎ ትጽቢት ኣሎ።

=======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0