ብሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ዝምራሕ ሓባራዊ ኮሚተ ግብጽን ሱዳንን ኣብ ካርቱም ፖለቲካዊ ዘተ የካይድ

ብሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ዝምራሕ ሓባራዊ ኮሚተ ግብጽን ሱዳንን ኣብ ካርቱም ፖለቲካዊ ዘተ የካይድ

Radio Erena: 02 August 2017

Sudan Egypt fM

ብሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ዝምራሕ ሓባራዊ ኮሚተ ግብጽን ሱዳንን ኣብ ካርቱም ፖለቲካዊ ዘተ የካይድ ኣሎ።

እቲ ዛሕቲሉ ዘሎ ዝምድና ግብጽን ሱዳንን ናብ ንቡር ንምምላስ ዝዓለመ ዘተ ብተወግሶ ግብጺ ከምዝተወስደ’ዩ ዝሕብር።

ሚኒስተራ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሸኩሪ ሎሚ ሮቡዕ 2 ነሓሰ ካርቱም ድሕሪ ምእታዉ፣ ምስ ሱዳናዊ መዘንኡ ኢብራሂም ጋንዶር፣ ብዛዕባ’ዚ ዝሓለፈ ምስሕሓባት ግብጽን ሱዳንን ብምግምጋም፣ ዝምድና ክልትኤን ሃገራት ብውሕዱ ቅድሚ ሓደ ዓመት ናብ ዝነበረ ደረጃ ንምብጽሑ ክዘራረቡ ምዃኖም ዲፕሎማሰኛታት ይጠቕሱ።

ሱዳን ብጉዳይ ዶብ ሓላይብን ምድጋፍ ንተቓወምትን ብምኽሳስ ምስ ግብጺ ዝጸንሓ ዲፕሎማስያውን ቆንስላውን ርክባት ናብ ዝተሓተ ደርጅኡ’ያ ኣውሪዳቶ ጸኒሓ።

እዚ ሎሚ ዝካየድ ዘተ ድማ ብፍላይ፣ ዛሕቲሉ ኣብ ዝርከብ ቆንስላዊ ጉዳያት፣ ካብን ናብን ምንቅስቓስ ዜጋታት ክልቲአን ሃገራትን ኣገልግሎታት ቪዛን ከተኩር’ዩ።

ብዘይካ’ዚ’ውን ኣብ ዞባዊ ጉዳያት፣ ኣብ መንጎ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብን ሱዳንን ግብጽን ሒዘንኡ ዝርከባ መርገጺን’ውን ክዘራረባ ምዃነን ይሕብር።

ጉዳይ እቲ ንክልቲኤን ሃገራት ብዝያዳ ዘገድስ ወሓዚ ናይልን ኣብ ኡጋንዳ፣ ከተማ ኢንተበ ዝተኸተመ ስምምዕ ኣባላት ናይተን ወሓይዘን ናብ ናይል ዝፈስስ ሃገራትን’ውን ከም ኣጀንዳ ተታሒዙ ምህላዉ ይግለጽ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0