ግርማይ ገብረስላሴ፣ ዓርቢ 4 ነሓሰ ኣብ ዝኽፈት ሻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም 2017 ኣይክሳተፍን’ዩ

ግርማይ ገብረስላሴ፣ ዓርቢ 4 ነሓሰ ኣብ ዝኽፈት ሻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም 2017 ኣይክሳተፍን’ዩ

Radio Erena: 01 August 2017

Ghirmay Gebreslassie

ካብ 4 ክሳብ 13 ነሓሰ ኣብ ለንደን ኣብ ዝእንገድ ሻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም 2017፣ ሻምፕዮን ውድድር ማራቶን ዓለም 2015 ዝኾነ ኤርትራዊ ኦሊምፒካዊ ኣትሌት ግርማይ ገብረስላሴ ኣይክሳተፍን’ዩ።

ወግዓዊት መርበብ ሓበሬታ ኣህጉራዊ ማሕበር ኣትለቲክስ ዓለም (ያፍ)፡ ብዝዘርግሖ ሓበሬታ መሰረት፣ ኣብዚ ድሕሪ ሳልሳቲ ዝኽፈት መበል 16 ሻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም 2017፣ 8 ኤርትራውያን ኣትሌታት ክሳተፉ ምዃኖም ከፍልጥ እንከሎ፣ ንሳቶም ድማ ኣማኑኤል መሰል፡ ገብረዝጋብሄር ክብሮም፡ ዮውሃንስ ገብረገርግሽ፡ ንጉሰ ኣምለሶም (ወዲ ሓኪም)፣ ህዝቕኤል ተወልደ፣ ኣሮን ክፍለ፣ የማነ ሃይለስላሴን ዓወት ሃብተ’ዮም።

እዞም ኤርትራውያን ኣትለታት ኣብ ቅድድማት ጉያ እግሪ ማራቶን፣ 10 ሽሕ ሜትሮ፣ 5 ሽሕ ሜትሮን 3 ሽሕ ሜትሮን’ዮም ክሳተፉ።

ሻምፕዮን ውድድር ማራቶን ዓለም 2015ን ወናኒ ወርቂ ማዳልያ ቅድድም ማራቶን ኒውዮርክ 2016ን ዝኾነ ኦሊምፒካዊ ኣትሌት ግርማይ ገብረስላሴ ግና ኣብ’ዚ ብያፍ ዝተዘርግሐ ዝርዝር ኣስማት ኤርትራውያን ተወዳደርቲ ኣይሰፈረን።

ንኤርትራ እንኮን ወርቂ ዘግዘመ ኣትለት ግርማይ ገብረስላሴ፣ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2016 ኣብ ውድድር ማራቶን ኒውዮርክ ንመወዳድርቱ ራሕሪሑ ቀዳማይ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ ሻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም – ለንደን 2017፡ ብሉጽ ውጽኢት ንምምዝጋብ መዲቡ ከምዘሎ ሓቢሩ ኔሩ’ዩ።

እንተኾነ፣ ኣትለት ግርማይ ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ናይ ሻምፕዮን ክብሩ ንምዕቃብ ዘይሳተፈሉ ዘሎ ምኽንያት ብንጹር ዝተፈልጠ ነገር የለን።

ኤርትራ ኣብ ታሪኽ ሻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም 2 ሜዳልያ ዝወሰደት ክትከውን ከላ፡ ኣብ 2009 ኣብ በርሊን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ እግሪ 10 ሽሕ ሜትር፡ ኦሊምፒካዊ ኣትሌት ዘርእሰናይ ታደሰ፡ ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ፡ ንዕኡን ንሃገሩን ቦኽሪ ብሩር ሜዳልያ ከምዘምጽአ ዝዝከር ኮይኑ፣ ኣትሌት ግርማይ ገብረስላሴ ድማ፡ ኣብ መበል 19 ዓመቱ፡ ብዕድመ ዝነኣሰ ተዓዋቲ ውድድር ማራቶን ብምዃን፡ ኣብ ሻምፕዮን ኣትለቲስ ዓለም – በይጂንግ ቻይና 2015፡ ንገዛእ ርእሱን ንኤርትራን ፋልመይቲ ወርቂ ሜዳልያ ኣግዚሙ’ዩ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0