ብሃገራት ምዕራብ እገዳታት ዝንበረላ ዘሎ ሩስያ፣ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ምሕዝነታ ንምድልዳል ትጽዕር

Radio Erena: 28 July 2022

ብሰንኪ’ቲ ምስ ዩክሬይን እተካይዶ ዘላ ኵናት፣ ብሃገራት ምዕራብ እገዳታት ተነቢሩላ ዘሎ ሩስያ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝምድናኣ ንምድልዳል ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ተሐይል ከምዘላ ተገሊጹ።

እዚ ዝተገልጸ፣ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ሰርጌይ ላቭሮቭ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ሩስያ፣ ካብ 24 ሓምለ ኣትሒዙ ናብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

እቲ ሚኒስተር ናብ ግብጺ፣ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ፣ ኡጋንዳን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ዘካየዶ ዑደት፣ ደጋጊሙ ካብ ዝገለጾ ነጥብታት ሓደ ዓብላልነት ሃገራት ምዕራብን ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ፈጢርዎ ዘሎ ጸቕጢን’ዩ።

ኣብ ናይ ኡጋንዳ ዑደቱ፣ ሩስያ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ሽርክነትን ክልትኣዊ ምትሕግጋዝን ዘተኮረ ዝምድና ከምእትደፍኣሉ ‘ዩ ሚኒስተር ላቭሮቭ ጠቒሱ።

ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ መሰረታዊ ናይ እኽሊ መግብታት ካብ ሩስያን ዩክሬይንን ክሽምታ ምስ ምጽንሐን፣ ምስ ምውላዕ እዚ ኵናት፣ ዕዳጋታተን ተውሳኺ ዘይምርግጋእ ገጢሙዎ ይርከብ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ፣ ናይ ኣፍሪቃ ዑደቱ ብኢትዮጵያ ኣብ ዝዛዝመሉ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ምስ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ዘካየዶ ክልታኣዊ ርክባት፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ምስ ዝርከቡ ሓያሎ ወከልቲ ሃገራት ናይዛ ኣህጉር ኣብዚ ነጥብታት እዚ ብምትኳር ከምዝተዘራረበ ተሓቢሩ።

ላዕለዋይ ልኡኽ ሩስያ፣ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት ዘካይድ ዘሎ፣ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ናብ ኢትዮጵያን ግብጺን ኣብ ዝበጽሓሉ ተመሳሳሊ ግዜ’ዩ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን’ውን ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፣ ናብ ካሜሩን፣ ቤኒንን ጊኒ ቢሳውን ክበጽሕ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ፈረንሳ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝነበራ ጽልዋታት ብሩስያ እናተተከአ ከይከይድ ስግኣት ከምዘለዋ ተንተንቲ ይገልጹ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0