ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ምስግጋር ምርጫ ዝካየደሉ ዕለት ድጋፍ ቅዋም እታ ሃገር ንኽህልዎ ኣጸዲቑ

Radio Erena: 06 May 2020

ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ብምኽንያት ኮረና ቫይረስ ናብ ዘይተፈልጠ እዋን ንዝተሰጋገረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ፣ ድጋፍ ቅዋም እታ ሃገር ክህልዎ ንዝብል ሓሳብ ኣጽዲቕዎ።

እቲ ቤት ምኽሪ፣ ብ5 ግንቦት ኣብ ዘካየዶ ሳልሳይ ፍሉይ ኣኼባ፣ ነቲ ኣቐዲሙ ብኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ዝተወሰነን ብባይቶ ድማ ዝጸደቐን ምንዋሕ ምርጫ፣ ብቅዋም’ውን ብምድጋፍ፣ ካብ ፖለቲካውያን ውድባት ክመጽእ ንዝኽእል ተቃውሞታት ንምግታእ ዝዓለመ ምዃኑ’ዩ ዝንገር።

ኣብ ትግራይ ዓብላሊ ውድብ ዘሎ፣ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፣ ንምስግጋር እቲ ምርጫ ብምቅዋም፣ ኣብ ክልሉ ስሩዕ ምርጫታት ከካይድ ወሲኑ ኣሎ።

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ወርሒ ግንቦት ክካየድ ዝነበሮ ምርጫ፣ ዝተፈላለየ ምኽንያታት እናተዋህቦ ክልተ ግዜ ድሕሪ ምስግጋሩ፣ ኣብ መወዳእታ ነሓሰ ክካየድ’ዩ ተወሲኑ ኔሩ።

በዚ መሰረት ድማ፣ ሕጋዊ ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2020 ከበቕዕን፣ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ብህዝቢ ብቀጥታ ካብ ዝተመርጹ ኣባላት ባይቶ ድማ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ክርቋሕን ይግብኦ።

እንተኾነ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ምርጫ ብጉልባብ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ናብ ዘይተፈልጠ እዋን ተሰጋጊሩ።

ተደጋጋሚ ምስራዝ ምርጫ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ፖለቲካውያን ሓይልታት እታ ሃገር ምልዕዓላት ከይፈጥርን ነታ ሃገር ናብ ዝበኣሰ ናይ ብሄርን ፖለቲካን ምትፍናን ከይደፋፍኣን ብዙሓት ወገናት ስክፍታኦም ይገልጹ።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0